Thursday , April 18 2024

ዜና ስፖርት

ትማሊ ምሸት ካብ ዝተካየዱ ጸወታታት ቻምፕዮንስ ሊግ፡ ብዙሕ ትጽቢት ዝተዋህቦ ጸወታ ኣብ መንጎ ጁቬንቱስ ምስ ባርሴሎና ዝተኻየደ ጸወታ እዩ ኔሩ። ጸወታ፡ ሮናልዶ ዘይነበሮ ብምዃኑ፡ ቁሩብ ስሕበቱ ዝጎደለ እኮ እንተነበረ፡ ተወዳዳሪ ምዃኑ ግን ርዱእ እዩ ኔሩ። ጸወታ ምስ ጀመረ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ከበድቲ ፈተነታት ክረኣዮ ጀሚሩ። ግሪዝማን ዓንድልዳት ክሃርም ከሎ፡ ዑስማን ደምበለ፡ ድማ ሸቶ ብምቑጻሩ፡ ባርሴሎና ንዕረፍቲ 1 ብ 0 መሪሓ ወጺኣ። ድሕሪ ዕረፍቲ ተቐይሩ ዝኣተወ፡ ፋቲ፡ ኣብ ከባቢ ፍጹም ቅላዕ ተሓንኲሉ ስለ ዝወደቐ፡ ባርሸሎና ፍጹም ቅላዕ ረኺባ። ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለምና፡ ሜሲ፡ ድማ ናብ ሸቶ ቐይርዋ። ብወገን ጁቬንተስ፡ ኣልቫሮ ሞራታ፡ ሃትሪክ እኳ እንተሰርሐ፡ ካብ ጸወታ ወጻኢ ብምንባረን ኩለን ተሰሪዘን። ተጻዋታይ ጁቬንተስ፡ ደመራል፡ ብክልተ ብጫ ካብ ሜዳ ተባሪሩ። ብኣረጊት ጎርዞ እትፍለጥ ክለብ ጁቬንተስ፡ ኣብ ሜድኣ ብክለብ ባርሸሎና 2 ብ 0 ተሳዒራ ጸወታኣ ዛዚማ። ባርሸሎና ዝሓለፈ ሰሙን ብማድሪድ 3 ብ 1 ድሕሪ ዝወረዳ ስዕረት፡ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ጁቬንቱስ ዝረኸበቶ ዓወት፡ ናብ ጎደና ዓወት ክትምለስ ክሕግዛ እዩ።

ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ሌፕዚክ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ፡ ካብ ግሪን ዉድን ማርሻልን ክልተ ሸቶታት ክትረክብ እንከላ፡ ተቐይሩ ዝኣተወ፡ ራሽፎርድ፡ ድማ ሃትሪክ ብምስርሑ ብጠቕላላ 5 ብ 0 ኣብ ልዕሊ ሌፕዚክ ተዓዊታ። ዩናይትድ፡ ሸቶ ከይተመዝገባ ብምውጽእ፡ እቲ ኣደዳ ነቐፌታ ኮይኑ ዘሎ መስመር ምክልኻላ፡ ብተዛማዲ ከም ዝተመሓየሸ ዘርኣየ ጸወታ እዩ ኔሩ። ዩናይትድ፡ ኣብ ዝመጸእ ሰንበት፡ ምስ ኣርሰናል ዓቢ ጸወታ ይጽበያ።

ቸልሲ ምስ ሩስያዊት ክለብ፡ ክራንስኖደር፡ ተጻዊታ 4 ብ 0 ብገፊሕ ተዓዊታ። ሸቶ ከይተመዝገባ ናብ መንገዲ ዓወት ብምስጓማ ንዓላሚኣ፡ ፍራንክ ላምፓርድ፡ ዕረፍቲ ዝሃበ ክኸውን እንከሎ፡ ሓድሽ ተጻዋታይ፡ ሓኪም ዚየች፡ ሸቶ ከመዝግብ ክኢሉ፡ እተን ዝተረፋ ሽቶታት፡ ካብ ቲሞ ወርነር፡ ሁዲሶን ኦዶይን ፓሊሲችን ረኺባ። ቸልሲ፡ ካብ ሩስያ ናብ ዓዲ እንግሊዝ እተካይዶ ነዊሕ ጉዕዞ ኣለዋ። ቀዳም ድማ ምስ ብርንለይ ጸወታ ይጽበያ።

ክለብ ፒ.ኤስ.ጂ ምስ ቱርካዊት ክለብ በሳክሽር ተጻዊታ 2 ብ 0 ተዓዊታ። እተን ሸቶታት ካብ ጁቬንተስ ናብ ኤቨርተን ተሰጋጊሩ ቀዋሚ ቦታ ዘይረኸበ ተጻዋታይ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ክለብ ፒ.ኤስ.ጂ. ዝጻወት፡ ሞስ ኬን፡ እያ ረኺባተን። ይኹን እምበር፡ ክለብ ፒ.ኤስ.ጂ ብዙሕ ዝተርፋ ከምዘሎ እዩ ዘርእየካ። እዛ ክለብ፡ ዓበይቲ ተጻወቲ ከም ነይማርን እምባፐን ምውናና ኣዝያ ተወድዳሪት ኮይና ክትቀርብን ዝሓለፈ ዓመት ርእያ ዝሰኣነታ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ክትዓትር ትጽቢት ደገፍታን ሕልሚ ወነንቲ ክለባን እዩ።

ሎሚ ምሸት እውን  ብተመሳሳሊ ጸወታ ኤውሮጳ ካፕ ቐጺሉ ከምሲ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com