Friday , March 29 2024

ዝርገሐ ድጓሕ ሓጋይ( vinter kräkningar ) 40% በጺሑ።

ብመሰረት ሓበሬታ ስታቲስቲክስ ክንክን ጥዕና ፕሪቭያ ኣብተን ፈለማ ሒደት ሳምንቲ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ብምኽንያት ድጓሕ ሓጋይ( vinter kräkningar ) ብሕማም ካብ ስራሕ ናይ ዝበዂሩ ሰባት ቊጽሪ ብናህሪ ምውሳዂ፥ ብኣንጻሩ ድማ ናይ ሕማም ሰዓል ቊጽሪ ንታሕቲ ምውራዱ ተገሊጹ።

ብመሰረት እዚ ስታቲስቲክስ ሕማም ደጒሒ ሓጋይ ( vinter kräkningar )ናይ ዝሓዞም ሰባት ቊጽሪ ምስ ናይ ዓሚ ብምውድዳር ዝለዓለ መጠን ሒዙ 40%ሚእታዊት በጺሑ’ሎ።

ብኣንጻርዚ ብዓባይ ሰዓል ናይ እተታሕዙ ሰባት ቊጽሪ ብዝይዳ 25 ሚእታዊት ጐዲሉ’ሎ።

ተንታኒት ጥዕና ፕሪቭያ Leningart Sohlbery, ደጒሒ ሓጋይ (vinter kräkningar )ሕጂ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ምህላዉን ዓባይ ሰዓል’ውን ካብቲ ኣብ ዝሓልውፈ ሰሙን ዝነብሮ ክውስኽ ተኽእሎ ከም ዘሎ ገሊጹ ኣሎ።።

ስታቲስቲክስ ፕሪቫያ ንልዕሊ 410 ኩባንያታት ብምጽናዕ እተረኽበ ምኳኑ ተጠቒሱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com