Friday , April 19 2024

ዝቀውም መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ምጥርናፍ ስድራቤት ዝነበረ ሕጊ ከማሓይሾ ምኻኑ ተሓቢሩ።

ዴሳዊ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ምስ ለዘብተኛ ክርስትያንን ሊበራላዊን ሰልፊታት ኣብ ዝገበሮ ልዝብ ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራቤት ዝነበሮም መርገጺ ከንሳሕቡ ምግዳዶም ተገሊጹ፡፡

በዚ መሰረት ረቛሒ ዜግነት ሽወደን ዝያዳ ክሰጥም እንከሎ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝያዳ ስደተኛታት ክትቅበል እያ ማለት እዩ።

ቅድም ኢላ ኣፈኛ ሓምላይ ሰልፊ ዝነበረት ኣሳ ሮምሶን ኣብ ጽድያ 2015 ናይ መንግስታ እማመ ግዜያዊ ሕጊ ስደት ንብዓት እናሰዓራ እያ ነጺጋቶ።

እቲ ሕጊ ሽወደን ስደተኛ ካብ ምቕባል ከተዕርፍ ኣለዋ ብዝብል ሰበብ ኣብታ ዝቐጸለት ዓመት ኣብ ትግባረ ውዒሉ። ኣብ 2015 ቊጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ ልዕሊ 160 ሽሕ እዩ ኔሩ ኣብ 2017 ግና ናብ 27 ሽሕ ወሪዱ።

እዚ ቊጽሪ ኣብቲ ቅኑዕ መስመር ሓድ ስጒምቲ እዩ ኔሩ ብምባል ዴሳዊ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ኣስሚርሉ ኔሩ።

ኣብ 2018 ኣብ ዝተገብረ ምንቅስቓስ ምርጫ ኸኣ ስጥም ዝበለ ፖሊሲ ስደተኛታት ክኽተል ጀሚሩ።

ብመሰረት እማመኦም ኣዝዩ ውሱን ምጥርናፍ ቤተሰብን መንበሪ ፍቓድን እዩ ክህሉ ተደልዩ ኔይሩ እንተኾነ ግን እዚ ሕጂ ዝቀውም መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ምጥርናፍ ስድራቤት ዝነበረ ሕጊ ከማሓይሾ ምኻኑ እቲ ስምምዕ የመልክት። ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com