Wednesday , April 24 2024
Michael Probst/TT

ዝበለጸ ተጸዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና መን እዩ ?

ንቡዙሕ ዓመታታት ዝተጓዓዘት ግን መልሲ ዘይረኸበት ሕቶ ኩዑሶ እግሪ ዓለምና ፔለ፣ ማራዶና ወይስ ናይዚ ዘመን ነጋውስ ሮናልዶ ወይስ መሲ መኖም ይበልጽ ?

ብንጉስ ኩዑሶ እግሪ ዓለምና ተባሂሉ ዝስመ ብራዚላዊ ፔለ : ማርዶና ካብ መሲ ይበልጽ ክብል ዝሃቦ መልሲ ሕጂ ውን መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ይርከብ።

ኮዋኽብቲ ክለብ ባርሳ ዝኾኑ ዛቭን ኢነስታን ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና ካብ ዝተራእዩ መሲ ዝበለጸ እዩ ክብሉ ድሕሪ ምዝራቦም እዩ ፔለ  “መሲ ኩሉ ዘማልኤ ተጻዋታይ ኣይኮነን”  ማለት ብክልተ እግሩን ብርእሱን ስጋብ ሼቶ ዘየመዝገበ ዝበለጸ ተጸዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና ክኸውን ኣይክእልን’ዩ ክብል ነቲ  ሓሙሽተ ግዜ ኾኸብ ዓለምና ተባሂሉ ዝተሰምየ መሲ ኣቖናጺብዎ።

ፔለ ምስ ብራዚላዊት ጋዜጣ ኣብ ዝገብሮ ቃለ መሕተት ንዓይ ዝበለጹ ተጻወቲ ጀርመናዊ ፍራንክ ፓወርን ሆላንዳዊ ዮሃን ክሩፍን እዮምክብል እካ እንተጠቀሶም ንብሉጹነት መሲ ኣብ ፈጻሜ ጸወታ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣንጻር ቆማታት ተኸላኸልቲ ኢንግሊዛዊት ማንቸስተር ዩናይትድ ቪድችን ርዮ ፈርድናንድ ዘመብዝገቦ እዮም ኣዘካኪሮሞ።

ብተወሳኪ ካብ ብራዚላዊ ነይማር ፈረንሳዊ ምባፐ ይበልጽ ምባሉ እዚ ወዲ 78 ዓመት መሊኡ ዘሎ ፔለ ምስ ኣብ ዘመናዊ ኩዕሱ እግሪ ዓለምና ፍልጠት ዝጎደሉ ክብሉ ይወቅስዎ ኣለዉ።

ግን መልሲ ብሉጽ ተጸዋታይ  እዛ ፕላኔት ብምንታይ ክምዘን ይኸውን?


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com