Friday , March 29 2024

ዝብኢ ኣብ ባህሊ ኤርትራ ብኣማኑኤል ሳህለ

ንብላዕ እንተ በልኩም ንብላዕ ንኺድ እንተ በልኩም ድማ ንብላዕ። ዝብኢ እዩ ከምኡ በሃሊ። በላዒ፡ ሃርጓም፡ ስሱዕ ምዃኑ ንምሕባር እዩ ከምዚ ዓይነት ቅጽላት እተዋህቦ። ሓደ ተዋዛያይ ከም ዝበሎ’ውን ዝብኢ ማክሮፖሊሲ እንተ ዚህሉዎ ነይሩ፡ ራኢኡ ምግቢ ምኾነ ነይሩ። ግን ብሓቂ ዝብኢ ክሳዕ ክንድዚ ስሱዕ ዲዩ?
ብሓቂ ስሱዕ እንተ ዚኸውን ነይሩ ደኣ ዚብላዕ ኪረክብ ከሎ እንጉይ ኢሉ ንኣሕዋቱ ምጸወዐዶ? ኣይምጸወዐን። ስሱዕ’ዶ ሓቢርካ ምብላዕ ይፈልጥ እዩ? ስስዐስ ናብ ኣንበሳ ደኣ ንግደፎ።
ኣንበሳ፡ ኣንስቱ ዝቐተላሉ ኣድጊበረኻ ኪበልዕ ከሎ እንተ ርኢናዮ፡ መጀመርታ ከምዛ ባዕሉ ዝቐተለ፡ ደቂሱ ጸኒሑ ብድድ ይብል እሞ እናተማዕጠጠ ናብቲ ቅቱል እንስሳ ይቐርብ፡ ደሓር ነተን ብኽንደይ ጉያን ላህላህታን ሜላን ሃዲነን ሕሩድ ዘቕረባሉ ዋዕሮታት ብኣንበሳዊ ቋንቋ፥
‘’እስከ ወይዘራዝር በጃኻትክን ርሕቕ በላለይ፡ ቈለይ ከይተላዕላለይ፡ ይብለን። ነቶም ነኣሽቱ ሽደናት ከኣ፡ እስከ ኣጕባዝ ቀስ ኢልኩም ዕበዩ፡ ስነ ስርዓት እባ ግበሩ ብሰላም በስምኣብ ኢልና ክንበልዕ። ንከባበር ደኣ” ብምባል የጕባዕብዕ።
ትእዛዛቱ ምስ ዘይሕሎ ግን፡ ነተን ኣንስቶት ሑሕ ብምባል የፈራርሀን። ነቶም ነኣሽቱ ድማ ክሳዕ ክንዮ’ቲ ሕሩድ ኸይዶም ዚኽምበሉ፡ ብጽፍዒት ጕንዲ ኣእዛኖም የላህሞም። ሽዑ፡ ሃዲኡ ክሳብ ከብዱ ካብ ባይታ ሓፍ ምባል ዝኣብዮ ንረኣይቱ ብዘሰክሕን ዘኽዕብን መገዲ ነቲ ስጋን ኣዕጽምትን ሓመድ ይገብሮ።
ናብ ኣያ ዝብኢ ድማ ግልጽ ኢልና ኣብ ግዜ ምሳሕ ንርኣዮ። ኣያ ዝብኢ ቅቱል ምስ ረኸበ (ክንደየናይ ደኣ ባዕሉ ከይቀትል እምበር) እንጉይ ብምባል ንምድረ ኣዛብእ ይጽውዖም። በዓል ሃንጎሊማታት ድማ ተኣኪቦም ብሓደ እናሰሓቑን እናወከኹን ናብቲ ዳስ ዘይብሉ ብሕሩድን ብእኽለማይን ዝመእለ ቦታ ይጐዓዙ። ኣብ ኩሉስ ሰብካ ደኣ ይሃሉኻ። ይኹንምበር፡ ኣባልዓ ኣዛብእስ ኣይግድን። ቍሩብ ካብ ስነስርዓት ዝወጸ ይመስል። ሕራይ፡ ተኣኪብካ ምብላዕስ ጽቡቕ። እቲ ጫውጫውን ጨረምረምን ኛምኛምን ምምንጣልን ሃረምረምንከ እንታይ ኣምጸኦ?
ሓደ ተዋዛያይ እንግሊዛዊ ጸሓፊ፡ ብዛዕባ ሓድሓደ ከተማታት ኣፍሪቃ ብምጥቃስ ጽሬተን በቶም ደሞዝ ዘይክፈሉ ሰራሕተኛታት ማዘጋጃ ቤት ማለት ኣዛብእ ከም ዚካየድ ይሕብር። ከምዚ ማለቱ፡ ኣብ መገዲ እተደርበየ ዝሞተ እንስሳን ጨናዊ ጐሓፍን ኣዛብእ ከም ዘልዕሉዎ (ዚበልዑዎ) ንምሕባር እዩ።
ካልእ ግን ኣሎ፡ ናይ ገለ ከተማታት ኣፍሪቃ ኣዛብእ፡ ዝሞተ እንስሳ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ኣብ ገዛውቲ ንኺሕልዉ እተወዝዑ ኣኽላባት ከይተረፈ’ውን ካብ ሰንሰለቶም መንጢሎም ከም ዚበልዑዎም ሓቲተ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ኣሎ።
“ህዉኽ ዝብእስ ቀርኒ ላም ይሕዝ” ዚብል ምስላ ኣሎ። ናበይ ከይትኸዶ እዩ ቀስ ኢሉ ዘይምንጅላ። ኣብ ገለ ጽውጽዋያት ከኣ ንዝብኢ ጓህሪ ኣምጺኦም ብስጋ ሸፊኖም እንተሃቡዎስ ውሕጥ ኣበሎ’ሞ መዓንጣኡ ሓሪሩ ሞተ ይብሃል። ሓድሓደ ግዜ ሰብ ካብ ዝብኢ ከም ዘይሓይሽ ንምፍላጥ ግን ኣብ ግዜ ሕጽኖት ንሓደ ዓርክኻ ጓህሪ ብስጋ ሸፊንካ ኣዀልሶ። ሽዑ ዝብኢ ጥራይ ከም ዘይኮነስ ክንደይ ሰብ’ውን ብወገኑ ሃርጓፍ ከም ዘሎ ክትምሃር ኢኻ።
ሓደ መዓልቲ ድማ ኣያ ዝብኢ፡ ኣድጊ ስጋ ተሰኪማ ክትከይድ ርእዩዋ “ስጋ ኣብ ልዕሊ ስጋ ተሰጋሲጋ!” ብምባል ኣስተንተነ ይብሃል። ግን ከኣ ኩሉ’ቲ ምስላታት ባዕሉ ወድሰብ ነቲ ሃረምረም ዘብሎ ባህርያቱ ካብ ነብሱ ከርሕቕ ደልዩ ንዝብኢ ዘልገበሉ ደኣምበር፡ ዝብእስ ክሳዕ ክንድዚ ሃርጓም ከም ዘይኮነ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ኣሎ።
ብለይቲ ናብ ዝብኢ ዚልወጡ ሰባት ኣሎዉ ዚብል ናይ ድሕረት ያታ ኸኣ ኣሎ። ነዚ ዚመስል ኤውሮጳውያንውን ቀደም ድሑራት ከለዉ ዘጥረዩዎ ማሪታት’ውን ኣሎ። ንሳቶም ገለ ሰብ ፍርቂ ለይቲ ናብ ተዅላ ይልወጥ እዩ ይብሉ ነበሩ። ወርዉልፍ ብምባል ድማ ይሰምዩዎ ነበሩ። ሕጂ ግን ንኹሉ ማሪታቶም ኣብ ፊልም እናቀረጹ ንመዛናግዒ ጥራይ ሓዚኦሙዎ ኣለዉ።
“ዝብኢ ክሳብ ዝነክስ ይሕንክስ” ዚብል ምስላ ድማ ኣሎ። እዚ ግን ልክዕ ኣይኮነን። ዝብኢ ኩሉ ግዜ ኢዩ ዚሕንክስ። ይጥዓሞ ኣይጥዓሞ። ዳሕረዎት ኣእጋሩ ሓጸርቲ ብምዃነን ኪጐዓዝ ከሎ ዚሕንክስ ዘሎ ኢዩ ዚመስል።
ካብ ኩሉ እንስሳ ንኣድጊ እዩ ንኺበልዓ ዚትምነያ። ምኽንያቱ ድማ ኣድጊ ንኽትሃድና ቀሊል እዩ። ቀርኒ የብላ፡ ኣይትናኸስ፡ ስጋኣ’ውን ጥዑም እዩ ኪብሃል ንሰምዕ (ካብ ገለ ተደናጊሮም ዝበልዑዋ ሰባት)።
ዝብኢ ሰብ ይበልዕ ድዩ? ተረኺቡድ’ዶ? ኣይገድፍን። ግን ሰብ ስጋኡ ጨዋም ብምዃኑ፡ ዝብኢ ነቲ ናይ ሰብ ስጋ ኪበልዕ ከሎ ኣብ ርባ ከይዱ እዩ ዚበልዖ ይብሃል። እዚ ግን ኣይእመንን። ዝብእስ ያኢ ብጨው ተነጊሑ! ኣይ ነቲ ንኹሉ ገፋፊጡ ዚብለዕ ሰብ እንዲና ዝብኢ እንብሎ።
ኣብ ኣፍሪቃ ክልተ ዓይነት ኣዛብእ ኣለዉ፥ በዓል ሽራጥን በዓል ትኳዕ ትኳዕን። ክልቲኣቶም ብጸላም ለይቲ እዮም ዚሃድኑ። ኣዳም ኪድቅስ ይወግሓሎም። ኣዳም ኪትንስእ ድማ ይመስዮም። ኩኡ ስራሓቶም ብጸላም ስለ ዝኾነ፡ መሳፍንቲ ጸልማት እዮም ዚብሃሉ።
ብለይቲ ግን ከመይ ገይሮም እዮም ዚርእዩ? ከዋኽብቲ እንተ ዘይህልዉ፡ ኪርእዩ ኣይምኸኣሉን። እዞም ብጸልማት ይርእዩ እዮም እንብሎም እንስሳታት፡ ማለት ከም ድሙን ዝብእን፡ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ኪርእዩ ብፍጹም ኣይክእሉን።
ዝብኢ፡ ድሁል ወይ ፈራህ እዩ ይብሃል። ግን ዕስለ ኮይኖም ንኣንበሳ ኪገጥሙሉ ኸለዉ፡ ነቲ ንጉስ እንስሳ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሉ ኪሃድም ከሎ ትድንግጸሉ። እዚ ናይ ኣንበሳን ኣዛብእን ለይታዊ ደማዊ ቃልሲ ወይ ከኣ ኣራዊታዊ ህልኽ፡ ኵናት ዘመነ እምኒ እዩ ዚመስል። ኣብዚ ውግእዚ፡ ኣናብስ ርእሶም ኣድኒኖም ኪኸዱ ከለዉ ክትርኢ ከሎኻ፡ ኩሉ መመዓልቱ (ወይ ለለይቱ) ኣለዎ ኢኻ እትብል።
ብዛዕባ ዝብኢ እንታይ ዘይተባህለ። ናይ ሰይጣን ፈረስ እዩ፡ ብጥቓኻ ኪሓልፍ ከሎ ነብስኻ ግፍፍ ይብለካ። ይስሕቕ እዩ። ሓዊ ምስ እተቕርበሉ በሪሩ ይጠፍእ። ንእሽቶ ቍስሊ ምስ እትወጾ እናቈርመመ፡ ክሳዕ ኣካላቱ ዚውዳእ ይበልዓ። ወዘተ.
ንስሓቕ ዚጥዕም ድምጺ ኣለዎ። ይስሕቕ እዩ ኪብሃል ግን ኣይከኣልን። ካልእ ብዛዕባኡ ብባህሊ ዚብሃል ኩሉ’ውን ሓቅነት የብሉን።
ዝብኢ ኣብ ጽውጽዋያት ኤርትራ ኣዚዩ ግኑን እዩ። ሓደ ጽውጽዋይ፡ ብዘይ ዝብኢ ኣይምቅርን። ይኹንምበር፡ ኣብ ዝኾነ ጽውጽዋይ፡ ዝብኢ ከም ክፉእን ስሱዕን ሃርጓፍን ስለ ዚቐርብ፡ ኣብ ኣእምሮ ቈልዑ ሕማቕ ቦታ ሒዙ ይርከብ።
ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ብምሒር ብዝሒ ጽርግያታትን ናይ ልምዓት መደባትን ካልእ ትሕተቅርጽታትን፡ ቦታታት ዝብኢ ብሰብ ይውሰድ ስለ ዘሎ፡ ብሰንክዚ ድማ ኣያ ዝብኢ ኣርሒቑ ይስጐጕ ብምህላዉ፡ ድሕሪ ቍሩብ እዋን፡ ወድሰብ ዝብኢ ከመይ ከም ዚመስል ዝብኢ ድማ ወድሰብ ከመይ ከም ዚመስል ደጊም ከይተረሳስዑ ዚተርፉ ኣይመስልን።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com