Saturday , April 20 2024
Magnus Hallgren/DN/TT

ዝኣረገ ጽሕዲ ከም መፋረይ እንቋቚሖ ዓሳታት ይኸውን።

ዝበለዩ ጽሕዲ ልደት ኣብ ምድሪቤት ቀላይ Mälaren ዓሳታት እንቋቚሖ ዝጸፍዩሎም ከስከስ ኮይኖም የገልግሉ ብምህላዎም ዳግማይ ህይወት ምዝራኦም ይግለጽ ኣሎ።

ዓበይቲ ጀላቡን ሰንጠቕቲ መራኽብን ንምእንጋድ ዝተዃዕተ መርሳ ንዓሳታት ብዙሕ ምቹእ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ ከተማ ስቶክሆልምን ማሕበር ኣስገርቲ ዓሳ ሽወደን ነዚ ተበግሶ ብምውሳድ ንዓሳታት እቲ ቀላይን ጽሕዲ ልደትን ብሓባር ንምጥቃም ዝሰርሑ ዘለዉ።

“ዕምቈት ዘይብሎምን ብዙሕ እጸዋት ዝሓዙን ማያት ከምኒ ፈረኽ ዊጥን ዛንደርን ንዝመሰሉ ዓሳታት እንቋቖሖኦም ክጸፍዩ ዝፈትዉዎ ቦታ እዩ። ምስ ማሕበር ኣስገርቲ ዓሳ ሽወደን ዝዓዪ እዚ ካብ ምግባር ሸለል እንተኢልና እዞም ዓሳታት ንሓዋሩ ክጠፍኡና እዮም ይብል ተመራማሪ ዓሳታት John Kärki።

Kärkiን ብጾቱን ካብ ስቶክሆልም ዝበለዩ ናይ ልደት ጽሕዲ ብምእካብን ከም ከስከስ ትሕቲ ማይ ብምጥቃምን ዓሳታት እንቋቖሖኦም ዝጸፍዩሉ ምቹእ ቦታ ንኽረኽቡ ይሕግዙ ኣለዉ።

ኣብዚ ሓጋይ ጥራይ ነዚ ዕላማ ተባሂሉ ልዕሊ 400 ዝኸውን ጽሕዲ ልደት ናብ ቀላይ Mälaren ከም ዝጥሕል ክግበር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com