Thursday , April 25 2024
Hasse Holmberg /TT

ዝወሓዱ ሽወደናውያን ፌስታል ከም ዝጥቀሙ ተገሊጹ።

ብመሰረት መጽናዕቲ ኤጀንሲ ምዕቃብ ከባቢ ሽወደን ኣብ ሸመታ ፌስታል ዝጥቀሙ ሽወደናውያን ቊጽሮም ብ 10 ሚእታዊት ጐዲሉ’ሎ።

እዚ ማለት ኣብ 2017 ነፍሲወከፍ 114 ፌስታል ዝገዝእ ዝነበረ ሕጂ ናብ 102 ጐዲሉ ኣሎ።

“እዚ ምጒዳል ዘተባብዕ እኳ እንተኾነ ናብቲ ዝዓለምናዮ ሽቶ ንምብጻሕ ገና ብዙሕ ምስራሕ ከድልየና እዩ” ክትብል Agnes Whelen ካብ ኤጀንሲ ምዕቃብ ከባቢ ሽወደን ገሊጻላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com