Friday , March 29 2024

ዝጸንዑ መምርሒታት መርመራ ኮቪድ-19፡ ተመሓላሊፎም

ኣብ ውሱናት ክፋላት ናይ ኤውሮጳ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና እናዛየደ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ነፍሲ ወከፍ ገይሹ ጸኒሑ ናብ ሽወደን ዝምለስ ሰብ፡ መርመራ ኮቪድ-19 (PCR) ንኽገብር፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣስፊሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ብዙሓት ገይሾም ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ ለይታዊ ትልሂታት፡ ባራትን ሓደሽቲ ሰባት ኣብ ትረኽበሉ ቦታታትን ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኽፉ ዝሕብሩ ጸብጻባት ናብ በዓል መዚ ጥዕና ከምዝመጹ፡ ኣንደሽ ቲግኒል ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ’ኳ እንተሃለወ፡ እዞም ተርእዮታት እዚኣቶም ግን፡ ንመጠን መልከፍቲ ኮሮና ናብ ዝበኣሰ ከየጋድድዎ ስግኣት ኣሎ ክብል፡ ቲግኒል፡ ብምውሳኽ ገሊጹ።

ካብ ሃገራት ኖርዲክ ዘይኮና ሃገራት ዝተመልሱ ገያሾ፡ ናብ ሽወደን ኣብ ዝኣትውሉ እዋን፡ መርመራ ኮቪድ-19 ንኽገብሩ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ መምርሒታት ኣመሓላሊፉ።

እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ነቶም ካብ ዕለት 12 ሓምለ ክሳብ ዕለት 31 ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ ዝገሹ ሰባት ይምልከት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com