Wednesday , April 24 2024
Credit: Claudio Bresciani/TT

ዞባታት ነርሲታት ኣብ ምምጻእ ብዙሕ ወጻኢታት ይገብራ ኣለዋ ተባሂሉ።

ዝሓለፈ ዓመት ዞባታት ሽወደን ግዜያዊ ኣባላት ክንክን ጥዕና ንምምጻእ ክሳብ 6 ቢልዮን ክሮና ወጻኢ ከም ዝገበራን እዚ ድማ ምስ ኣብ ዓመተ 2020 ዝነበረ ወጻኢ እንክወዳደር ናይ 12% ወሰኽ ከም ዘርኣየ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።

ክሳብ 40% ካብዘን ነርስታት ካብ ናይ ስራሕ ኤጀንሲታት ዝተረኽባ ኮይነን ናብ ግዜያዊ ስራሕ ናይ ምቕያር ዝንባለታት  ከም ዘለወን እዩ ዝግለጽ።

ነርስታት ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ዘለወን ዋጋ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ እናተገንዘባ ምምጽአን ወናኒ ሓንቲ ካብዘን ናይ ስራሕ ኲባንያታት ማግኑስ ሉንድክቪስት ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com