Thursday , April 25 2024

ዩኒቨርሳላዊ ንቕሓት 2ይ ክፋል

ዓለምና እቲ ዘድሊ ዓቕምን ንቕሓትን ደኣ ኣይነበራን እምበር፡ ካብ ጥንቲ ጀሚራስ ብደረጃ ቍሸት ይኹን ብደረጃ ዓዲ ወይ ብደረጃ ግዝኣታት ወይ ክልላት ግሎባላይዘሽን ወይ ዓውለማ ነይሩዋ ኢዩ። ንኣብነት፡ 

ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመታት ይገብር፡ ዓለም ኪብሃል ከሎ፡ ነተን ንማእከላይ ባሕሪ ወይ ከኣ ንመዲተራነያን ባሕሪ ከቢበናኦ ዝነበራ ሃገራት (ከም እኒ እስጳኛ፡ ፈረንሳ፡ ጣልያን፡ ግሪኽ፡ ቱርኪ፡ ጳለስጢንያ፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ቱኒዝያ ከምኡውን ብመጠኑ ንህንድን ንፋርስን ንቺናን ወዘተ​) ጥራይ እዩ ዘጠቓልል ነይሩ። ትሕተ​-ግብጺ ኣፍሪቃን መብዛሕትኡ እስያን ኣመሪካን ኣውስትራልያን ግን ጸኒሑ እተዳህሰሰን እተፈልጠን ኣብቲ ብኤውሮጳ​ ዚምእከል​ ዓለም​ ድማ​ ቀስ​ እናበለ​ እተጸምበረን​ ቦታታት​ እዩ። 

እምበኣር ኣብዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ሃገራት ብመጠኑስ ዓውለማ ወይ ግሎባላይዘሽን ነይሩ እዩ እንተ ተባህለ ጌጋ ኣይኮነን። ማለት ብንግዲ (መንግስቲ ሮማ ምስ ህንድን ቻይናን ንግዲ የካይድ ነይሩ​)። ብሃይማኖት (ህንዲ ዝመበቖሉ ሃይማኖት ቡዲዝም ኣብ እስያ፡ ፋርሳዊ ዝመበቆሉ ሃይማኖት ሚትራይዝም ድማ ክሳዕ ሮማ ተዘርጊሑ ነይሩ​)። ብቛንቋ (ቋንቋ ጽርኢ ማለት ግሪኽ ከምኡ​’ውን ላቲን ኣብተን ሃገራት መዲተራነያን ነጊሱ ነይሩ​)። ብሳየንስ (ናይ ፕላቶን ኣሪስቶትልን ሳየንስ ብዓረብ ተተርጒሙ ኣብ ሃገራት ኣዕራብን ኣብ ሃገራት ሰዓብቲ ምስልምናን፡ ካብ ዓረብ ናብ ላቲን ተተርጒሙ ድማ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ተዘርጊሑ ነይሩ​)። ስለዚ ተዛማዲ ሓድነት ወድሰብ​’ሲ ነይሩ እዩ። ይኹንምበር፡ ምስናይ​’ዚ ኹሉ፡ እቲ ናይ ዩኒቨርሳላውነት ንቕሓት ንኺመጽእ ምሹእ እዋን ኣይነበረን። እዚ ንኺኽሰትን ኣብ ግብሪ ንኽውዕልን ግን፡ ዓለም ብኹሉ ትሕተ​-ቅርጻውን ንግዳውን ፖለቲካውን መዳያት ተዛማዲ ሕብረት ከትርእይ ግድን ኢዩ ነይሩ። 

ዓለማዊ ንቕሓት ግን ብኸመይ እዩ ዚመጽእ​? ንቕሓት (ዩኒቨርሳላዊ ውኖ​) ወይ ድማ ብእንግሊዝ ኮንሸስነስ ብኸመይ መገዲ ኢዩ ዚኽሰት​? ንሱ ብመንፈሳውያንን ዓለማውያንን ፈላስፋታት፡ ብሳየንሰኛታትን ብስነጥበበኛታትን፡ ብተቐነይቲ፡ ብደረስቲ፡ ወዘተ ዚመጽእ ናይ ለውጢ ሓይሊ እዩ። ንሱ ሓድሽ ስነልቦናዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ንቕሓት ከም ዚኽሰት ይገብር ብኣኡ ኣቢሉ ድማ ሓድሽ ፍጥረት የግህድ። እዞም ናይ ለውጢ ሃዋርያት እዚኣቶም ብትምህርቶም ኮነ ብኣብነታቶም፡ ብቓልሶም ወይ በቲ ገዲፎምዎ ዚኸዱ መጻሕፍቲ ወይ ስርሓት ወይ ዝኽሪ ገይሮም ንንቕሓት ወድሰብ ኪልውጡን ክብ ከብሉን ሓይሊ ኣለዎም። ንሳቶም ዚጥቀሙሉ ብልሃት፡ ፍሉይ ጥበብን ተወፋይነትን መስዋእትነትን እዩ። እቲ መስዋእትነት ብጉልበትን ብነብስኻ ምግታእን ንኹሉ ጸገማት ብትዕግስቲ ብምብዳህን ኣብ መጠረስታ ድማ በቲ ዝኣመንካሉ ብምምዋት​ ዚካየድ​ ወይ​ ዚፍጸም​ ተግባር​ እዩ። 

ነዞም ናይ ለውጢ ሃዋርያት​’ዚኣቶም ዚሰምዖም ወይ ዚኽተሎም ደኣ ይውሕዶም ይኸውን እምበር፡ እቲ ዘምጽኡዎ ሓድሽ ትምህርቲ ወይ ፍልስፍና ወይ ጥበብ ንንቕሓት ወድሰብ ክብ ንምባልን ለውጢ ንምምጻእን ኢዩ። ይኹንምበር፡ ንግዜኡ​’ኳ ሰዓብቲ እንተ ሰኣኑ ሓድሓደ ግዜ​’ውን ተጻረርትን ተቐናቐንትን እንተ ኣጥረዩ፡ በዚ ኾይኑ በቲ ግን፡ ኣብ ሓፈሻዊ ኣተሓሳስባን ኣመለኻኽታን ወድሰብ መሰረታዊ ለውጢ ከየምጽኡስ ኣይከዱን​ እዮም። 

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን፡ ሰባት በቲ እቶም ናይ ለውጢ ሃዋርያት ዘምጽኡሎም ናይ ሽምዓ ብርሃን ተመሪሖም ኣብ ክንዲ ምኻድ፡ ነቲ ብርሃን ኡፍ ኢሎም ብምጥፋእ፡ ነታ ብርሃና ዝጠፍአ ሽምዓ ሒዞምዋ ኪጐዓዙን​ ከምልኹዋን​ ኪሰግዱላን​ ይረኣዩ​ ኣለዉ። 

ገሊኦም ድማ፡ ነቲ ትምህርቲ ተቐቢሎም ከብቅዑ፡ ጠውዮም ጠዋውዮም፡ ነቲ ስሱዕ ባህርያቶም ንምርዋይ፡ ንሓላፍን​ ምድራውን​ ረብሓታቶም​ ኪጥቀሙሉ​ ይረኣዩ​ ኣለዉ። 

ዕድል ኮይኑ ግን፡ ንቕሓት መወዳእታ የብሉን። ቀጻልን ገስጋስን እዩ። ስለዚ ድማ እቶም ከም ሶክራተስ፡ ኣሪስቶትል፡ ጋሊለዮ፡ ማርክስ፡ ኣይሽታይን፡ ወዘተ ዝኣመሰሉ ሊቃውንትን መምህራንን፡ ብእተፈላለየ መገዲ ከም ብሓድሽ እናተወልዱ ንወድሰብ ወርትግ ካብ ምንቃሕን ኣዒንቱ ካብ ምኽፋትን ንምሕጋዝ ኣይከቋርጹን እዮም። 

ወድሰብ ኣብዛ ዓለም ምንባር ኪቕጽል ከሎ፡ ብኣኡ መጠን ድማ እቲ ንቕሓቱ እናዓበየ ኪኸይድ ግድን እዩ። ቀደም ንዓለም ከም ሰተታ ንወርሒ ድማ ከም ፋኑስ ገይሩ ይርእያ ነይሩ። ቀደም ንብጻዩ ከም ጸላኢሉ ብምርኣይ ግዜኡ ብቕትለትን ውግእን የሕልፎ ነይሩ። ቀደም ኪገይሽ ከሎ ብጐሓሉን ሽፍታታትን ከተርትን ይጽገም ነይሩ። ቀደም ብቐቢላን ብዓሌትን ብሃይማንቶን ኪኳሳተር ይነብር ነይሩ። ቀደም ንሕማምን ፌራን፡ መናፍስታዊ ወይ መለኮታዊ ምኽንያት ብምሃብ ኣብ ኣጉል እምነትን ማሪትን ይቈማጣዕ ነይሩ። ቀደም ብጥሜት ምስ ተጠቕዐ ካብ ካልእ ሃገር መጺኡ ዚረድኦ ትካል (ከም ቀይሕ መስቀል​) ኣይነበረን፡ ኣብ ከቢድ ወይ ዘይፍትሓዊ ኲናት ወዲቑ​’ውን ዘድሕኖ ተቕዋማት (ከም ሕቡራት መንግስታት​) ኣይነበረን። ሕጂ ግን​ ብመጠኑስ​ እቲ​ ኩነታት​ ዚልወጥ​ ዘሎ​ ይመስል። 

ከምዚ መኾኒኡ ድማ፡ ንቕሓት ወድሰብ ብተዛማዲ መገዲ ክብ ይብል ስለ ዘሎን ሳልሳይ ዓይኑ ወይ ድማ መንፈሳዊ​ ዓይኑ​ ቀስ​ እናበለ​ ይኽፈት​ ስለ​ ዘሎን​ እዩ። ንቕሓት ወድሰብ ግን ናበይ ገጹ እዩ ዚጐዓዝ ዘሎ ዚብል ሕቶ ኪለዓል ይኽእል። ኩሉ ነገራት ዚዓብን ዚምዕብልን፡ ኣብቲ ንጥፈታቱ ዝያዳ ሕብረትን ምትሕብባርን ስለ ዘርእይ እዩ። እዚ ተርእዮ​’ዚ ኣብ ህይወታውያንን ዘይህይወታውያንን ጐሊሑ ይረአ። በዚ መገድዚ​” ንቕሓት ወድሰብ እናዓበየ ብዝኸደሉ መጠን​” እቲ ናይ ምርኻብን ምሕባርን ምትሕብባርን ምድግጋፍን ንጥፈታት እናደንፈዐ ይኸይድ እሞ​” ወድሰብ በቲ ካብ ፍጹም ስነልቦናውን እምነታውን ሕብረትን ስኒትን ዚረኽቦ ሓይሊ ተጠቒሙ​” ምናልባት ንኻልኦት​ ፕላነታት​ ኪድህስስን​ ኣብ​ ግዝኣቱ​ ንኸእቱን​ ኩሉ​ ጠቕሊሉ​ ናብ​ ህዋ​ ገጹ​ ይጐዓዝ​ ይኸውን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com