Friday , April 19 2024
Henrik Montgomery/TT

ዩክሬናውያን ንምሕጋዝ ዝተኻየደ ሙዚቃዊ ምርኢት ዝለዓለ ኣታዊ ረኺቡ። 

ስደተኛታት ዩክሬይን ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣቪቺ ስቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደን ብተሌቪዥን ብቐጥታ እተመሓላለፈን ሙዚቃዊ ምርኢት ክሳብ 75.8 ሚልዮን ክሮና ኣታዊ ከም እተረኽቦ ተገሊጹ። እዚ ዝለዓለ ኣታዊ ምዃኑ እቶም ወደብቲ ገሊጾም ኣለዉ። 

ካብ መሸጣ ቲኬት ኣትሒዝካ ክሳብ ወፈያታት ኣቢሉ ዝተረኽበ ኲሉ ኣታዊታት ናብተን ኣብ ዩክሬይን እተኸስተ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምሕጋዝ ተባሂለን ዝቖማ 6 ጒጅለታት ክውዕል እዩ ተባሂሉ’ሎ። 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com