Tuesday , April 23 2024

ዮተብሪ: ግዳይ መጥቃዕቲ ካራ ሞይቱ

እቲ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ማእከል ዮተብሪ ብኻራ እተወግአ ወዲ 20 ዓመት ዝኾነ ሰብኣይ ከም ዝዓረፈ ዮተቦሪ-ፖስተን ሓቢሩ። ሓደ 45 ዝዕድመኡ ሰብ ብጥርጠራ ተታሒዙ ኣሎ።

እቲ ግዳይ ኣብ መገዲ እዩ ተጠቒዑ። ብድሕርዚ እቲ ኣጥቃዒ ናብ ሓንቲ እትጎዓዝ ዝነበረት ናይ ከተማ ባቡር ኣትዩ ነቲ ዘዋሪ ኣፈራሪሁዎ። እቲ ዘዋሪ ምስ ሓየሎ ግን ወሪዱ ናብ ኖርድስታን ማእከል ዕዳጋ ኣትዩ።

ኣብቲ ዕዳጋ ንብዙሓት ሰባት ኣሰንቢዱ፡ ደሓር ግን ፖሊስ ሒዞምዎ።

ብመሰረት GP እዚ ሰብዚ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ዓመጽን ብድሮጋን ተፈሪዱ ነይሩ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com