Saturday , April 20 2024
MIGUEL MEDINA/TT

ደሃይ መስርሕ ምስግጋር ተጻወቲ!

  • ኣብዚ መወዳእታ ዓመት 2018/19 ምስ ክለብ ኣርሰናል ኩንትራቱ ዘብቅዕ ኣሮን ራምሲ ናብ ክለብ ጁቬንቱስ ንክሰጋገር መስርሕ ወዲኡ ክትብል ስካይ ስፖርት ገሊጻ። ራምሲ ድሕሪ ናይ 11 ዓመት ጻንሖት ምስ ክለብ ኣርሰናል ሕጂ ቅድመ ውዕል ኩንትራት ብምፍራም ን ሰሙን 170,00 ፓውንድ እንዳተከፍለ ን 4 ዓመታት ክጻወት እዩ።
  • ክለብ ኣርሰናል ን ዳኒ ሱዋሬዝ ንምስግጋር ምስ ክለብ ባርሰሎና ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሔት ይንገር ኣሎ። እዚ ቀዋሚ ቦታ ዝሰኣነ ሱወሬዝ ናብ ኣርሰናል ናይ ምኻድ ድሌት ኣሕዲሩ ምስ ምህላዉ ናይ ምስግጋ ተኽእልኡ ዓብይ እዩ።
  • ፈረንሳዊ ኣድርያን ራብዮን ኣብ ክራማት ምስ ክለብ ፒኤስጂ ዝነብሮ ኩንትራት ስለዝበቅዕ ምስ ክለብ ባርሰሎና ብነጻ ንምስግጋር ኣብ ስምምዕ ከምዝበጹሑ ይንገር ኣሎ። ክለብ ባርሰሎና ኣብ ዓመት 10 ምልዮን ፓውንድ እንዳኸፈለት ናይ 5 ዓመት ኩንትራት ቀሪባትሉ ዘላ። እዚ ናይ ክንፊ ተኸላኻላይ ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኣርጀንቲና ዘምዝገባ ሸቶ ቀልቢ ዓበይቲ ጋንታ ክስሕብ ክኢሉ እዩ።
  • ድሕሪ መጉዳእቱ ቦትኡ ኣ ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ ዝተመንጠለ ናይ የማን ተኸላኻላይ ናትናኤል ክላይን ብልቓሕ ናብ ክለብ ቦርንማውዝ ተሰጋጊሩ።
  • ክለብ ቸልሲ ን ኣርጀንቲናዊ ጎንዛለዝ ሁግወን ንምስግጋሪ ዘይክኣል ቶኽይኑ ከም ኣማራጺ ምስ ኣጥቅዓይ ክለብ ዌስት ሃም ማርኮ ኣርናቶቪች  ንምስግጋሩ ክትዛራረብ ሙኻና ኣስለጣኒ እዛ ጋንታ ሳሪ ገሊጹ። ኣርናቶቪች ካብ ዝተሰልፈለን  ውድድር 7 ሸቶታት ምስ ሰኺዔት ከወሃህድ ኪኢሉ እዩ።
  • ኢጣልያዊ ማርዮ ባላቶሊ ናብ ክለብ ኒውካስትል ዩናይትድ ንምስግጋር ዝርርብ ጀሚሩ። ወኪሉ ከምዝገለጾ ባላቶሊ ጸወታ ፕሪመርሊግ ክምዝናፈቆን ምስ ክለብ ኒውክሳትል ክጻወት ከምዝብህግን ገሊጹ።
  • ብማንቸስተር ዩናይትድ ክህደን ዝጸንሔ በልጂማዊ ተኸላኸላይ ክለብ ቶተንሃም ከቶቢ ኣልደርዌልድ ናይ ሓደ ዓመት ኩንትራት ማለት ስጋብ 2020 ዘጽንሕ ውዕል ምስ ጋንትኡ ኣናውሑ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com