Thursday , April 25 2024
FACUNDO ARRIZABALAGA/TT

ደሃይ መስርሕ ምስግጋር !

ኣርሰናል ን ዴኒስ ሱዋሬዝ ብ ልቓሕ ንምስግጋር 3 ሚልዮን ፓውንድ ንምኽፈል ምስ ክለብ ባርሰሎና ኣብ ስምምዕ በጺሔን።

ክለብ ኣርሰናል እንተደልያ 30 ሚልዮን ፓውንድ ብምክፋል ክትውንኖ ከምትኽእል ኣካል እቲስምምዕ ኮይኑ ኣሎ።

ሓልዊ ልዳት ደቪድ ደ ሂያ ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክጸንሕ እንተኾይኑ ሰሙናዊ ደምዙ 350 ሽሕ ን ሰሙን ክኽፈሎ ሓቲትይ። times

ኣካየድቲ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ  ን ግዝያዊ ኣሰልጣኒ እዛ ጋንታ ሶልሻየር ብቀዋምነት ንምስግጛር ክዘራረቡ ሙኻኖም ሓቢሮም።sunsport

ማንቸስተር ዩናይትድ ንማርከስ ራሽፎርድ ኣብ ሰሙን 15,000 ፓውንድ ደሞዝ ብምቕራብ ኩንትራቱ ንምንዋሕ ሓዱሽ ዘተ ጀሚሮም። Mirror

ኣልቫሮ ሞራታ ምስታ ዘዕበየቶ ክለብ ኣትለትኮ ማድሪድ ንምጽንባር ንናይ ግሉ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ ብምብጽሑ ቀጠልያ መብራህቲ ካብ ክለቡ ቸልሲ ይጽበ። bbc

ቶተንሃም ን ገጢምዋ ዘሎ ናይ ኣጥቃዕቲ ሽግር ንምፍታሕ ገጻ ናብ ኢጣልያዊ ጁሴፐ ሮሲ ኣዚራቶ ኣላ። tutto sport

ኣርጀንቲናዊ ሂጉዌን ናይ ልቓሕ ምዝውዋር መስርሕ ምስ ክለብ ቸልሲ ንምፍጻም ኣብ ከተማ ለንደን ይርከብ። ኣሰልጣኒ ቸልሲ ማውርዚዮ ሳሪ እቲ መስርሕ ብቕልጡፍ ብምውዳእ ጽባሕ ምስ ኣርሰናል ዘለዎ ጸወታ ክጥቀመሉ ይደሊ።

እዚ ዝኸውን ግን ቅድሚ ጸወታ ምጅማሩ ኣብ ውሽጢ 12 ሰዓት ምስ ዝዛዘም እዩ። Express


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com