Saturday , April 20 2024

ደሃይ ምስግጋር ተጻወቲ!!

*ኣርሰናል ንወዲ 18 ዓመት ብራዚላዊ ጋብሪኤል ማርትኔሊ ኣፈሪማቶ። ጋብሪኤል ን ኣርሰናል ናይ`ዚ ዓመት ቀዳማይ ፈራሚ ኮይኑ ኣሎ።እዚ ብራዚላዊ መንእሰይ ኣብ 34 ግጥማት 10 ሹቶታት ከመዝግብ ብምክኣሉ እያ ኣርሰናል ዓያና ኣውዲቃት`ሉ ዝጸነሓት።

*ወዲ 25 ዓመት ስጳኛዊ ኣጥቃዓይ ኣዮዝ ፐረዝ ካብ ኒውካስል ተፋንዩ ብ30 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ሌስተር ሲቲ ግዒዙ። ኣብ መሳርዕ ኒውካስል ን5 ዓመታት ክጻወት ዝጸንሐ’ዚ ኣጥቃዓይ ዝሓለፈ ዓመት 12 ሸቶታት ፕረምየር ሊግ ከመዝግብ ክኢሉ ኢዩ። ድሕሪ ምውጻእ ኣሰልጣኒ ራፋ ቤኒተዝ ካብ ኒውካስል ንዕኡ ስዒቦም ብርክት ዝበሉ ተጻወቲ ክወጹ ትጽቢት ይግበር።

* ኣትለቲኮ ማድሪድ ንፖርቱጋላዊ ኣጥቃዓይ ክለብ በነፊካ ጃኦ ፈሊክስ ብ126 ሚልዮን ኤውሮ ከምዘፈረመቶ ተፈሊጡ። ፖርቱጋላዊ ፈሊክስ መተካእታ ክርስትያኖ ሮናልዶ ክኸውን ዓቢ ትጽቢት ዝግበረሉ መንእሰይ ተጻዋታይ ክሳብ ሰነ 2026 ምስ ኣትለቲኮ ማድሪክ ክጸንሕ ከምዝፈረመን ማልያ ቁጽሪ 7 ለቢሱ ኣብ ላሊጋ ክደምቕ ትጽቢት ይግበር። ንሱ ኣብ ታሪኽ ምስግጋር ተጻወትቲ መበል 5ይ ዝኸበረ ተጻዋታይ ክከውን ከሎ ካብ መንእሰያት ተጻወትቲ ድማ ድሕሪ ኪልያን ምባፐ ካልኣይ ዝኸበረ ተጻዋታይ ኮይኑ ይርከብ። እቲ ብብዙሓት ክለባት ተጠሚቱ ዝነበረ ወዲ 19 ዓመት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ክለብ በነፊካ ኣብ 43 ግጥማት 20 ሸቶታት ከመዝግብ ከሎ፡ ምስ ሃገሩ ፖርቱጋል ብምዃን ዋንጫ ኔሽንስ ሊግ ምዕዋቱ ይዝከር። 🇵🇹

* እንግሊዛዊት ክለብ ሌስተር ሲቲ 30 ሚልዮን ፓውንድ ብምኽፋል ንኣዮዘ ፔረዝ ካብ ኒውካስትል ከምዘፈረመቶ ብወግዒ ኣፍሊጣ። ፔረዝ ን4 ዓመታት ምስታ ክለብ ክጸንሕ ከምዝፈረመ እታ ክለብ ወሲኻ ሓቢራ።

* ፈረንሳዊት ክለብ ፒኤስጂ 18 ሚልዮን ኤውሮ ብምኽፋል ን ፓውሎ ሳራብያ ካብ ክለብ ሰቪያ ከም ዘፈረመቶ እታ ክለብ ዕላዊ ጌራ። ሳራብያ ን 5 ዓመታት ማልያ ናይታ ፈረንሳዊት ክለብ ለቢሱ ክጻወት ከምዝተሰማምዐ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com