Friday , March 29 2024
Alter Photos/TT

ደሃይ ምስግጋር ተጻወቲ!

ማንቸስተር ዩናይትድ ን ብራዚላዊ ኮቲንዮ ናብ መሳርዓ ንክትጽንብሮ ምስ ክለብ ባርሰሎና ዝርርብ ከምዝጀመረት ይውረ ኣሎ። ማንቸስተር ነዚ ብራዚላዊ ናብ ኦልትራፎልድ ንምስግጋር 100 ሚልዮን ፓውንድ ሰሊዓ እያ ናብ ባርሰሎና ኣመሪሓ ዘላ። Sky sport

እስጳኛዊት ክለብ ቪላርያል ካብ ክለብ ሌስተር ሲቲ ን ተጻዋታይ ቪንሰን ኢቮራ ሲጋብ 2023 ዘጽንሕ ኣፈሪማቶ። Villarial.Fc

ማንቸስተር ዩናይትድ ን ግሪኻው ተኸላኸላይ ክለብ ሮማ ኮስታስ ሚላኖስ ንምፍራም ምንቅስቃ ጀሚራ። ናይ እዚ ግሪኻዊ ተኸላኸላይ መፍረሲ ውዕሊ 35 ሚልዮን ፓውንድ ብሙኻኑ ማንቸስተር ዩናይትድ ብቐሊሉ ምስኣ ክትጽንብራ ትኽእል እያ። Sun sport

ማንቸስተር ዩናይትድ  45 ሚልዮን ፓውንድ ተገሚቱ ዘሎ ናይ የማን ተኸላኻላይ ክለብ ፖርቶ ትከታተሎ ከምዘላ ሓቢራ። እዚ ተጻዋታይ ብ ክለባት ሊቨርፑልን ሪያል ማድሪድን ይድለ ከምዘሎ ይንገር። Sun sport

ክለብ ቸልሲ ከም መተኻእታ ሰስ ፋብሪጋዝ ን ኣኸፋፋሊ ኒኮላ ባረላን 45 ሚልዮን ፓውንድ ብምስላዕ ምስ ኢጣልያዊት ክለብ ካግሊያሪ ዝርርብ ጀሚራ። sky sport

ፖርትጋላዊ ተኸላኸላይ ፔፐ ካብ ክለብ ኣርሰናል ንዝቀረበሉ ናይ ምስግጋር ሕቶ ብምንጻግ ናብ ብ ቴሪ ሄንሪ እትስልጥን ፈረንሳዊት ክለብ ሞናኮ ክጽንበር ድልየት የርኢ። ፔፐ ካብ ትርካዊት ክለብ ፈነርባች ካብ ዝሳነበት ኣብ ዕረፍቲ ከምዘሎ ይፍለጥ። L’Equipe  

ማንቸስተር ሲቲ ባየር ሙኒክን ፒኤስጂ ን ኣርጀንቲናዊ ኣጥዓይ ክለብ ጁቨንቱስ ዲባል ንኸሰጋግርኦ ድልየት የሕድሬን እካ እንተሃለዋ ክለብ ጁቨንቱስ ግን 100 ሚልዪን ዩሮ ዝቀረበት መርሓባ ትብል። Tuttosport

ክለብ ኣርሰናል 60 ሚልዮን ፓውንድ ብምቅራብ ን ኮለምቢኣዊ ዋንነት ርያል ማድሪድ ዝኾነ ጀሚስ ሮድርጌዝ ንምዝውዋር ትዳሎ። ጀሚስ ሮድርጌዝ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብልቓሕ ምስ ባየር ሙኒኽ ይጻወት ከምዘሎ ይፈለጥ። Mirror

ኢንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ 50 ሚልዮን ፓውንድ ብምስላዕ ን ኣጥቃዓይ ኤድሰን ካቫኒ ንምስግጋር ማዕጾ ክለብ ፒኤስጂ ትኩሕኩሕ። Sunday Express

ክለብ ርያል ማድሪድ ን ደንማርካዊ ኣከፋፋሊ ክርስትያን ኤሪክሰንካብ  ክለብ ቶትንሃም ን መስግጋር 100 ሚልዮን ብምስላዕ ሉኡኻታ ናብ ኢንግሊዝ ሰዲዳ። Independent


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com