Friday , April 26 2024
PAUL ELLIS/TT

ደሃይ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ

ራሒም ስተርሊንግ ኣብ ውሽጢ 13 ደቓይቕ፡ 3 ኩዓሳሱ ኣብ ሰኪዔት ዋትፎርድ ብምስርሳር ሃትሪክ ኣብ ዝሰርሓሉ ግጥም ፡ ማንቸስተር ሲቲ 3 ብ 1 ተዓዊታ፡ ምስ ካልኣይ ተርታ ሒዛ ዘላ ሊቨርፑል ንዝነበራ ናይ ነጥቢ ጋግ፡ ብውሕዱ ክሳብ ጽባሕ ኣጋ ምሸት፡ ካብ 1 ናብ 4 ኣዕሪጋቶ። ስተርሊንግ ዘቑጸራ ፋልመይቲ ኣካታዒት ጐል፡ ብመስመር ዳኛ ካብ ጸወታ ወጻኢ ተባሂላ ተሰሪዛ’ኳ እንተነበረት፡ ማእከላይ ዳኛ ግን፡ ንውሳነ እቲ መስመር ዳኛ ውዱቕ ጌርዎ። በዚ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ዳኛ ኣብ ሶሻል ሜድያ ድሮ ዝተፈላለየ ዘለፋታት ይዘንቦ ኣሎ። ሸቶ ዋትፎርድ ካብ ጀራርድ ዴሎፎይ ዝተረኽበት እያ።ንኤቨርተን ዘአንገደት ኒውካስል፡ ንዕረፍቲ 2 ብ 0 ‘ኳ ተመሪሓ እንተወጸት፡ ካብ ዓላሚኣ ራፋኤል ቤኒተዝ ብድሕሪ ዝተዋህባ ምኽሪ ግን፡ ኣብ ካልኣይ እብረ 3 ጐላት ኣእትያ፡ 3 ብ 2 ተዓዊታ ወጺኣ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ካብ ናይ ምውራድ ዞባ፡ ብ9 ነጥቢ ከተምልጥ ክኢላ። ሌስተር ሲቲ፡ ጂሚ ቫርዲ ማልያኣ ካብ ዝለበስ፡ መበል 99 ከምኡ’ውን መበል 100 ኮይነን ብዝተሰነዳሉ 2 ጐላት ተሓጊዛ፡ ንፉልሃም 3 ብ 1 ብድሕሪ ምርትዓ፡ ንሓድሽ ኣሰልጣኒኣ ብሬንዳን ሮጀርስ፡ ቦኽሪ ዓወቱ ጆባእ ኢላቶ። ብበርንለይ ሓንሳብ ሰለሎ ምስ ኣተዋ፡ ናብ ንቡር ብቕዓታ ክትምለስ ዘይከኣለት፡ ቶተንሃም፡ ብሳውዛምፕተን ተወሳኺ ጽዋእ ስዕረት ጎርዳዕ ኣቢላ። ብዘይ ኣሰልጣኒኣ ማውሪስዮ ፖቸቲኖ ናብ ሜዳ ዝወረደት ቶተንሃም ዘመዝገበታ እንኮ ሸቶ፡ ንኣጥቓዓያ ሃሪ ከይን፡ ኣብ ናይ ኩዕሶ እግሪ ዘመኑ፡ መበል 200 ጐል ኮይና ተጻሒፋትሉ። ብዝወረዳ ተደጋጋሚ ፍሽለት ካብ ንሻምፕዮን ንድሕሪት ገጻ ግልጽ ትብል ዘላ ቶተንሃም፡ ማን. ዩናይትድ፡ ኣርሰናልን ቸልሲን ኣብ ክሳዳ ብምህላወን፡ ውድድራ ምስ ቀዳሞት 4 ጋንታታት ኮይና ንኽትድምድሞ ዘለዋ ዕድል ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ክኢሉ ኣሎ። ናብ ዌልስ ዝገሸት ዌስትሃም ኣብ መሳልል ፕሪምየር ሊግ ኣብ መወዳእታ 3 ደርጃታት ብዘላ ካርዲፍ 2 ብ 0 ተሳዒራ ክትምለስ ከላ፡ ባይታ ናይቲ መሳልል ሒዛ ዘላ ሃድስፊልድ ድማ፡ ኣብ ገዛእ ሜድኣን ኣብ ቅድሚ ደገፍታን ብተመሳሳሊ ውጽኢት 2 ብ 0 ተቐጺዓ። ግጥም ክሪስታል ፓላስን ብራይተንን ድማ፡ ብዓወት ብራይተን 2 ብ 1 ተፈጺሙ። ውድድር ፕሪምየር ሊግ፡ ጽባሕ ሊቨርፑል ምስ በርንለይ፡ ቸልሲ ምስ ዎልቭስ፡ ኣርሰናል ምስ ማን. ዩናይትድ ብዘሰላስልኦ ግጥማት ክቕጽል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com