Wednesday , April 24 2024

ደሓንቲ መርከብ M/S ኤስቶንያ ሓቁ ክንገሮም ሓቲቶም።

ኣብ ኣየት 1994 ኣብ ዝጠሓለት መርከብ ኤም ኤስ ኤስቶንያ ንስክላ ዝደሓኑ ተጓዕዝትን ቀዳማይ ሚኢስተር ነበር እታ ሃገርን ኢንግዋር ካርልስን፡ ኣብታ መርከብ ወተሃደራዊ ጽዕነት ብዛዕባ ምንባሩ መንግስቲ ንጹር መልሲ ክህቦም ምሕታቶም ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ።

“እዚ ፍጻመ 25 ዓመታት ሓሊፍዎ ብምህላዉ ሕጂ እቲ ሓቁ ክንፈልጥ ግዜኡ ዝኣኸለ ይመስለኒ ” ክትብል ካብቶም ዝደሓኑ ተሳፈርቲ ሳራ ሀድረንዬስ ገሊጻ’ላ። ኣብ 2004 ዕጡቓት ሓይልታትን ግምሩኽን ኣብታ መርከብ ወተሃደራዊ ናውቲ ሩስያ ክጸዓንን ናብ ሽወደን ክበጽሕን ጌሮም ምንባሮም ሓበሬታ ወጺኡ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com