Thursday , March 28 2024
Johan Nilsson/TT

“ደቂተባዕትዮ ኣብ ማዕከናት ዜና ሽወደን ብብዝሒ ይስምዑ”

ሓድሽ መጽናዕቲ ኣስታት 70 ሚእታዊት ትሕዝቶ ናይቲ ማዕከናት ዜና ሽወደን ኣብ ዜናዊ ጸብጻባተን ብጥቕሲ ይዂን ብድምጺ ወይ ብምስሊ ዘቕርባኦ ርእይቶታት ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ምዃኑ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

እቲ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ኢኳሊስተርስ ዝስሙ ጉጅለ ኣብ ዜናዊ ጸብጻባት ንዝረአ ጾታውን ኤትኒካውን ዘይምዕሩይነት ንምቕያር ዝሰርሕ ኣካል ኮይኑ ኣብ 11 ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ሽወደን እንተላይ ሬድዮ ሽወደን ንዝተፈነው ዜናታት ብምጽናዕ ኣብዚ መደምደምታ እዚ ከም ዝበጽሐ ተፈሊጡ።

ማዕከናት ዜና ሽወደን ነቲ ኣብ ፈነወታተን ዝንጸባረቕ ናብ ሓደ ወገን ዝዛዘወ ትሕዝቶ ዜናታት ንምንካይ ከም ዝሰርሓ ይገልጻ እኳ እንተኾና እቲ ዘይምዕሩይነት ግን ንሓያለ ዓመታት ከም ዘይተቐየረ ሓላፊት ክፍሊ ትምህርቲ ጉጅለ ኢኳሊስተርስ ዝኾነት ማርያ-ፒያ ትገልጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com