Thursday , April 25 2024

ደቡብ ሱዳን፡ ሓደ ሰብኣይ ብገበን ጾታዊ ዓመጽ ን7 ዓመታት ተፈሪዱ

ሓደ ደቡብ ሱዳናዊ፡ ንትሕተ ዕድመ ጓለንስተይቲ ብምዕማጹ፡ ን7 ዓመታት ማእሰርቲ ከም እተፈርደ ድምጺ ኣመሪካ ገሊጻ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ዝበዝሐ ገበናት ጾታዊ ዓመጽ፡ ናይ ፖሊስ ጥርዓን ከም ዘይግበረሉ እዩ ዝግለጽ። ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ሰብኡት ኣብ ከተማ የይ፡ ብጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሶም ፍርዶም ምርካቦም ኣብ ኣክቲቪስታት ዓቢ ተስፋ ምሕዳሩ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ደንግ ቻይ ደንግ፡ ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ዞባ ጀንጎሊ፡ ከተማ ቦር፡ ዝተኻየደ ናይ ፍርዲ መስርሕ፡ በዳሊ ብዘይካ እቲ ዝተበየነሉ ማእሰርቲ ንስድራ እታ ጓለንስተይቲ ሓሙሽተ ከብቲ ክኽሕስ ተፈሪዱ ኣሎ። ኣኽባር ሕጊ፡ ማንያንግ ንጉኒ፡ በቲ ናይ ምክባር ሕጊን ፍትሒን ሑጉስ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ።

ተኸሳሲ ንጹህ እየ ብምባል ናብ ቤት ፍርዲ፡ ናይ ይግባይ ጥርዓን ከቕርብ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ንሱ “ስድራኣ መታን ክምርዓዋ ኮነ ኢሎም ዝኣለምዎ ተንኮል እዩ ክብል ተዛሪቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com