Friday , April 19 2024
Tatjana Schoenmaker, of South Africa, celebrates after winning the gold medal in the women's 200-meter breaststroke final at the 2020 Summer Olympics, Friday, July 30, 2021, in Tokyo, Japan. (AP Photo/David Goldman) OSWM124

ደቡብ ኣፍሪቃዊት፡ ሾንሜከር፡ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ

ኣብ ቶክዮ፡ ጃፓን፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ኦሊምፒክ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ 25 ዓመታት፡ ብ ሾንሜከር ኣቢላ ወርቂ መዳልያ ምሕንባስ ከም ዝረኸበት ተገሊጹ።

ታቲጃና ሾንሜከር፡ ናይ 200 ሜትሮ፡ ናይ ደቀንስትዮ ክብረ ወሰን ምሕንባስ ኣመዝጊባ ኣላ። ኣብ 2:19 ግዜ ነዚ ርሕቀት ዝወድአት ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ ኮይና’ላ። ብሰሉስ፡ ኣብ ናይ 100 ሜትሮ ብሩር መዳልያ ምርካባ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ውድድራት ኦሊምፒክ፡ ወርቂ መዳልያ ብምዕዋታ ኣብታ ብዕግርግር እትሕመስ ዘላ ሃገራ፡ ገለ ሓጎስ ከምጽእ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዋ፡ ሾንሜከር፡ ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com