Friday , April 19 2024

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ 7

ናብ ዝኸበርካ ኣቦ

ከመይ ኣሎ ዓዲ? ኣነ ጽቡቕ ኣሎኹ፡ እቲ ቋንቋ ሽወደን’ውን ዳርጋ ክኢለዮ እየ። ስራሕ ንምርካብ ድማ ቋንቋ ምኽኣል ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ክዛረብ ከሎኽ እጋገ እሞ፡ እቶም ሽወደናውያን ዘይኮኑስ እቶም ብጾተይ እዮም ዚስሕቁኒ። ግን ቋንቋ ከምኡ እዩ፡ ሰብ ስሒቑኒ ኢልካ ክትሓፍር የብልካን።

ኣብዚ ጉዳይዚ ፈረንጂ ካባና ዚሕሹ ይመስሉ። ንሕና ሓደ ወጻእተኛ ከም ገለ ኢሉ ነቲ ትግርኛ ኣበላሽዩ ወይ ብዘይ መገዱ ኪዛረቦ ከሎ ንስሕቆ ኢና። ኣብ ወጻኢ ሃገር ግን ከምኡ ኣይተጓነፈንን። ምናልባት፡ ካበይ ሃገር ኢኻ መጺኣካ ኢሎም ይሓቱኻ ይኾኑ፡ ግን ኣይስሕቁኻን እዮም።

ገለ ብጾተይ ድማ ብሰንኪ ዘይምምላኽ ቋንቋ፡ ስራሕ ከምልጦም ከሎ፡ ክንዲ ንነብሶም ዚወቕሱ ነቲ ቋንቋ ይወቕሱዎ፥ “ክላ ብቐደሙ ቋንቋ ጨራሩ ከመይ ጌርና ክንክእሎ?” ይብሉ። ደሓር ግን ባዕላቶም እዮም ጨራሩ ዝኾኑ፡ ማለት ድራር ዕለቶም ንኺምእርሩ ይጽግሞም፡ ማለት፡ ከምተን ጨራሩ ሽወደን ክረምቲ ምስ መጸ ናብ ዘብላኦ ዚጠፍአን፡ ንሳቶምውን ከምኡ ይኾኑ።

ግን ከኣ ኣለዉ ነቲ ቋንቋ ቀልጢፎም ብምምላኽ፡ ኣስተርጎምቲ ዝኾኑ። ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ብቕዓት የብሉን። ቋንቋ ተውህቦ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኡ ሰብ ኣሎ ኣብ ሓደ ሃገር ምሉእ ህይወቱ ተቐሚጡ፡ በቲ ናይቲ ዓዲ ቋንቋ ገይሩ ማይ ኣስትዩኒ ኪብል ዘይክእል። 

እዚ ኸኣ ንሓንቲ ኣብ ኣስመራ ዝፈልጠን ሰበይቲ የዘክረኒ። ኣብ ዓዲ ኣምሓራ 20 ዓመት ተቐሚጠንሲ፡ ኣብ መንጎ ኣህያን ሃያን ዘሎ ፍልልይ ከይተረደአን ተመሊሰን። ኣታ ወደይ፡ ሃያ ድዩ ኣድጊ ማለት ወይስ ኣህያ? ውሃ ከይከውን እውን ተጠራጢረን።  

ኣብዚ ዓዲ ኸኣ፡ ገለ ብጾትና፡ ዮግ ፈሽቶር (ተረዲኡኒ) ኣብ ክንዲ ምባል፡ ዮግ ፈሽተር (ኣዕኒየ) ይብሉ። ግን ምግጋይ ኣብ ኩሉ ዘሎ እንድዩ፡ ንሰብ ሓቲትካ ወይ ተመራሚርካ ካብ ጌጋኻ ምእራም ድማ ዝበለጸ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com