Saturday , April 20 2024

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ. 8

ናብ ዝኸበርካ ኣቦይ

ትምህርተይ ጽቡቕ እኸይድ ኣሎኹ። ኤለትሪቺስታ ክኸውን እየ ዝደሊ። እቲ ኣብ ዓድና ዘጥረኹዎ ትምህርትን ተመክሮን ጠቒሙኒ ኣሎ። ገሊኦም ብጾተይ፡ ኣብ ናይ ምኽሻን ትምህርቲ ዝኣተዉ’ውን ኣለዉ። ከልቢ ዘዛውሩ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣይረኣኹን።

ኣነ ካብ ኩሉ ዝገርመኒ፡ እቲ ኣብ ሃገርና እንንዕቆ ስራሕ፡ ኣብዚ ብዙሕ እዩ ዚኽፈሎ። ኣብ ሃገርና ኣብ ባንክታትን ኩባንያታትን ምስራሕ እዩ ብዙሕ እቶት ዘምጽኣልካ፡ ኣብዚ ግን እቲ ኣዚዩ ትሑትን ንዑቕን እትብሎ ስራሕ እዩ ዝያዳ እቶት ዘለዎ። ግን ከኣ ኩሉ ሰብ ኣብ እንዳ ጎሓፍ ክሰርሕ ኣይደልን እዩ፡ ኩሉ ሰብውን ኣብ ፎኛቱራታት እናኣተወ ኪሰርሕ ኣይመርጽን እዩ።

ገሊኡ ሰብ ካብ ገንዘብ ንላዕሊ፡ መዓርግ ዚፈቱ ኣሎ። ገሊኡ ሰብ ድማ ብኣንጻሩ፡ ወላ ተሰካሚ ወይ ረፋዕ ኮይኑ፡ ሃብቲ ኪድልብን ቤተሰቡን ኣዝማዱን ኪሕግዝን ዝደሊ ኣሎ።

ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ሰሪሕና ንስድራናን ንቤተሰብናን ክንሕግዝ ኢና እንደሊ። ክንደይ ኤርትራውያን ኢየን ኣብ ሃገር ጣልያንን ኣብ በይሩትን ከም ባርያ ለፊዐንን ተገፊዐንን ናብ ዓዲ ገንዘብ ዘይሰደዳ? ገሊአን ገዛ ዘይስርሓ፡ ገሊአን ድማ ንቤትክርስትያን ዚኸውን ንብረት ዘይለገሳ?

ግን ገንዘብ የምጽኣለይ እዩ ኢልካ ዘይትፈትዎ ሞያ ዘይምውሳድ። ጸገማት ጥራይ እዩ ዚፈጥረልካ። እትፈትዎ ሞያ ግን፡ ወላ ቆናኒት ይኹን ወይ ድማ ስጋ ክትቆሉ ምውዓል፡ ወይ ገዛ ምጽራይ ተሓጕስካ ክትቅበሎ ኣሎካ።

ኣቦ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ንመዘናግዒ እትኸውን ሓንቲ መስሓቕ ክነግረካ። ሓደ ዓርከይ ነይሩ ኣብ ሓደ ዓቢ ኩባንያ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ (ፎሽታ ቮኒንግ ኢዮም ዚብሉዎ) ከም ኣጽራዪ ኮይኑ ዚሰርሕ። ሓደ እዋን ነዊሕ ስለ ዘገልገለ ደሞዝ ወሲኾምኻ ዶ ኢለ ሓቲተዮ። ደሞዝኳ ኣይወሰኹንን ግን ቅሩብ ልዕል ዝበለ መዓርግ ሂቦምኒ፡ ኢሉኒ። እንታይ መዓርግ ደኣ እንተ በልኩዎ፡ ካብ ቀዳማይ ቮኒንግ ኣብ ካልኣይ ቮኒንግ ተመዲበ፡ ጽቡቕ እሰርሕ ኣሎኹ ኢሉኒ።  

ሓደ ድማ፡ (ግን ሓቂ ኣይመስለንን፡ ገለ ሰባት ዝሰንዑዎ ዛንታ ከይከውን እጠራጠር) ኣብ ናይ ከተማ ኣውቶቡስ ምዝዋር ስራሕ ኣትዩስ፡ ነታ ተጎዓዝቲ ዝሓዘት ኣውቶቡስ ናብ ዘይትኸዶ መገዲ ብምምራሕ ናብ ሓደ ህልም ዝበለ ጫካ ወሲዱ ኣጥፊኡዋ። ኣብ ሃገርና እንተ ዝኸውን ካብ ስራሕ መሰናበቱዎ፡ እዚኣቶም ግን፡ ኣብ ናይ ኣእምሮ ክሊኒክ ወሲዶም ሓንጎሉ ብስርዓት ምስ መርመሩዎ፡ ጭንቀት ኣለዎ ኢሎም ስለ ዝጠርጠሩ ንግዜኡ ጥሮታ ሂቦም ኣፋኒዮምዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com