Friday , March 29 2024

ደብዳበ ናብ ዓዲ Brev till mitt land (ንመዘናግዕን ንመምሃርን)

 

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቁ. 2

                                      ብኣማኑኤል ሳህለ

ሓበሬታ፥ ሽሕኳ ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ኢመይል ወይ ፈይስቡክ ወይ ሞባይል/ቫይበር ብምጥቃም ምስ ቤተሰቦም ዝራኸቡ እንተ ኾኑ፡ እዚ ዓምድ’ዚ ግን ነቲ ኢመይል ወይ ሞባይል ብብዝሒ ዘይነበረሉ ግዜ ዚምልከት ኮይኑ፡ ንምዝንጋዕ ብማለት እውን ከከም ኩነታቱ ናይ ፈጠራነት ናጽነት ይጥቀም እዩ።

ናብ ዝኸበርካ ኣቦይ

ብዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ናይ መጀመርያ ተመክሮይ ኣዕሊለካ ነይረ። ሓደ ዝረሳዕኩዎ ነገር ግን ናይ ለይቲ ጉዳይ እዩ። ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣርባዕተ ኢና እንድቅስ፡ ሓደ ድማ በጋጣሚ ከማይ ኤርትራዊ ነይሩ። ደቂሱ ኸሎ ለይቲ ብዙሕ ይዛረብን ይናዳሕን ነይሩ። ኣታ ወዲ ፓስፖርትኻ ቀዲድካ ደርብያ…… ኣታ ጉየ …. በላንዶ ኣዳግማ! ገለመለ ይብል። ሽዑ ኣነ ተጠራጢረ። እምበርዶ ናተይ ፓስፖርት ቀዲደ ደርብየያ እየ ኢለ ኣብ ባልጃይ ሃሰው ኢለ። እቲ ኣብ ጥቓይ ደቂሱ ዝነበረ ካልእ ኣፍሪቃዊ፡ ዝሰርቆ ዘሎ ግዲ መሲሉዎ፡ ሀይ ስቶፕ ኢሉኒ። ኣነ ኸኣ ሰራቒ ኢሉ ከየትሕዘኒ ኢለ ፈሪሀ ነይረ፡ ግን ስቕ ኢሉ ደቂሱ። ኣነ ግን ከይደቀስኩ ሓዲረ።

ንግሆ ምስ ቆረስና፡ ኣብቲ ካምቢ ፖሊስ መጺኦም። ንዓይ ዝደለዩ መሲሉኒ መኺኸ። ግን ንኣታቶም ዘምጽኦም ሓደ ኢራቃዊ ሓታቲ ዕቝባ ነቲ ናይ መጀመርታ ዝመልኦ ፎርም ስለ ዘይተቐበሉዎ ነቲ ናይ ሚግረሽን ቬትሮ መስኮት ብደንጎላ ሓሸምሸም ኣቢሉዎ ኪብሉ ሰሚዐ። ማኪና ገይሮም ድማ ወሲዶምዎ። ናበይ ከም ዝወሰዱዎ ኣይፈልጥን። ግን ኣተሓሳሲቡኒ።

ብድሕርዚ ነቲ ዓርከይ፡ ኣታ ንዓና ድማ ፎርምና ይነጽጉዎ ደኾን ይኾኑ ኢለዮ። እንድዒ ምስ በለኒ፡ ዝኾነ ኾይኑ ደደንጎላና ሒዝና ንጽናሕ ኢለዮ ክጻወቶ። ኣጆኻ ከሳብረካ እየ ኢሉኒ ከም ዋዛ።

ንጽባሒቱ ክንዛወር ከሎና፡ እቲ ብጻየይ ኣብቲ በረድ ሸተት ኢሉ ወዲቑ። ሓደ ሰብኣይ ስቕ ኢሉ ብጥቓና ሓሊፉ። ሽዑ እቲ ብጻየይ፡ ኣታ ኣብዚ ዓዲ ምስ ወደቕካ፡ ሓወይ! ኣይብሉን ድዮም ኢሉኒ። ኣነ ኸኣ፡ ነቲ ሓወይ ምባል ሓሊፎምዎ እዮም፡ ኣብ ክንድኡ ኣምቡላንሳ እዮም ዚጽውዑልካ፡ ማለት ወዲቕካ ከይተንሳእካ እንተ ደንጕኻ፡ ኢለዮ። ኣነስ እቲ ሰብኣይ እንተ ዚወድቕ፡ ሓወይ! ምበልኩዎ ነይረ ኢሉኒ። ከመይ ኢሉ እዩሞ ኪሰምዓካ ምስ በልኩዎ፡ ነዚኣ ደኣ ሓሲበላ እንድየ፡ ሚን ብሩር! ምበልኩዎ ነይረ ኢሉኒ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com