Friday , March 29 2024

ደብዳበ ናብ ዓዲ (ንመዘናግዕን ንመምሃርን)

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቁ. 1

                                      ብኣማኑኤል ሳህለ

ሓበሬታ፥ ሽሕኳ ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ኢመይል ወይ ፈይስቡክ ወይ ሞባይል/ቫይበር ብምጥቃም ምስ ቤተሰቦም ዝራኸቡ እንተ ኾኑ፡ እዚ ዓምድ’ዚ ግን ነቲ ኢመይል ወይ ሞባይል ብብዝሒ ዘይነበረሉ ግዜ ዚምልከት ኮይኑ፡ ንምዝንጋዕ ብማለት እውን ከከም ኩነታቱ ናይ ፈጠራነት ናጽነት ይጥቀም እዩ።

ትብጻሕ ናብ ዝኸበርካ ኣቦይ።

ኣነ ኣብ ሃገር ሽወደን ብደሓን ኣትየ። ከምቲ ዝመረቕካኒ ድማ ኩሉ ጻዕዳ እዩ ጸኒሑኒ፡ ግን ደሓር እዩ ነገሩ ዘይተፈተወኒ፡ ማለት ሸተት ኢለ ምስ ወደቕኩ፡ እናሓንከስኩ እየ ናብቲ ናይ መሕተቲ ዕቝባ ዝበጻሕኩ። ናብ ሆስፒታል እዩ ኪዕቆብ ዝነበረኒ መስለኒ!!

ንገለ ኣብቲ ካምቢ ዝረኸብኩዎም ሰባት ምስ ነገርኩዎም፡ ስሒቖም፡ ግን ከኣ ሓደ ካብኦም ምስ ደቁ ስለ ዝመጸ፡ ሓደ ካብቶም ደቁ ”ኣቦ፡ እዚ ጻዕዳ ነገር ይብላዕ ድዩ?”ኢሉ ከም ዝሓተቶ ይዝክር። ጀላቶ ኾይኑ እዩ ተራእዩዎ መስለኒ!!

ዝኾነ ኾይኑ፡ ክሳዕ ሕጂ ጽቡቕ ኣሎኹ፡ ዘይተሰማምዓኒ ነገር እንተሎ እቲ መግቢ እዩ። ከብደይ ንበዓል ሽሮን ጸብሒ ድንሽን ናፊቑዎ ግዲ ኾይኑ ኩሉ ግዜ ድምጺ ይገብር፡ ግን ከኣ ቁሪ ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ እቶም ደቂ ዓዲ ኪሞቑ ኢሎም ዝበልዑዎ ከም በዓል ፎርማጆን ስጋ ሓሰማን እበልዕ ኣለኹ። ገሊኣቶም ደቂ ሃገርና፡ ምብላዕ ይኣብዩ ኣለዉ። ነቲ ስጋ ገሊኦም ስጋ ሸውዓተ ቀርኑ፡ ገሊኦም ስጋ ፈረስ እዩ እናበሉ ምብላዕ ከሊኦምኒ!! በስምኣም ኢሎም ድዮምከ ዝሓርዱወን”?

እቶም ሽወደናውያን ሓለፍቲ ሕያዎት ይመስሉ። ካብ ኩሉ ግን ቋንቋኦም ዘይስማዕ ኮይኑኒ፡ ስቕ ኢለ ያ ያ እብሎም፡ ገለ ብጾተይ ግን ዮ ዮ ኢኻ እትብሎም ኢሎምኒ። ሀይ ማለት ሓደርካ ማለት እዩ መስለኒ፡ ምስ ተሳእኩ እዩ ሓደ ሀይ ኢሉኒ፡ ግን ከኣ ካባይ ኪፍለ ከሎ ድማ ሀይ ኢሉኒ። ሰላምን ደሓን ኩንን ኩሉ ሓደ ኮይኑኒ። ደሓን ይቀበሉኒ እምበር፡ ሀይ ሀይ ገዲፎም፡ ከም ሰብ ቆለ ሐይ ሐይ እንተ በሉ እውን ዚግድሰኒ ኣይኮነን።

ዝበዝሓ እተን ኣብቲ ካምቢ ዘለዋ ኣንስቲ ብጫ እዩ ጸጕረን፡ ደስ ኢየን ዝብላኻ፡ ግን ገለ ብጾተይ ”ተጠንቀቐለን ፍሽኽ እናበላ ኣብ ገደል ከየእትዋኻ” ኢሎምኒ። እንታይ ማለቶም ምዃኑ ኣይተረደኣንን። ንዓድኻ ይመልሳኻ ማለቶም ድዩ? ኣነስ ፍሽኽ ክብለን እየ፡ ዝገበራ ይግበራ። ደሓር ድማ ፍሽኽ ኣይበለናን ኢለን ንዓደይ ከይመልሳኒ!!

 

ክሳዕ’ቲ ዚቕጽል ደብዳበይ ደሓን ቀኒ!!

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com