Friday , March 29 2024

ደንማርክ ነቲ ንፍቑድ ብዝሒ ስደተኛታት (ክዎታ)ዚምልከት  መደብ ደው ኣቢሉዎ

ደንማርክ ነቲ ንፍቑድ ብዝሒ ስደተኛታት (ክዎታ)ዚምልከት ናይ ሕቡራት መንግስታት መደብ ደው ኣቢሉዎ።

ከምኡውን እቲ መንግስቲ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ኣብ ዚርከባ ሃገራት ናይ እተነጽጉ መስጎጊ ቦታታት ኪትከል ይደሊ።

ደንማርክ በቲ ናይ ሕ.መ መደብ ክዎታ፡ ስደተኛታት ክትቅበል ከም ዘይኮነ ወሲና ኣላ። እቲ ናይ ወጻእን ናይ ውህደትን ሚኒስተርን ኣብ ሊበራል ፓርቲ ቨንስትረ ኣባል ዝኾነን ኢንገር ስቶይበርግ ነዚ ውሳነ ምኽንያት ኪህበሉ ከሎ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ነብሶም ኣይክእሉን እዮም እተን ደቀኣንስትዮ ድማ ዝገደደ ይብል።.

ናይ ደንማርክ ፓርላማ ዓሚ ነቲ ናይ ክዎታ ሕግታት ከበርትዖ ወሲኑ። ነዚ ዝገበረ ድማ ነቲ ናይ ምቕባል ስደተኛታት ሓላፍነት ኣብ ልዕሊቲ መንግስቲ ብምውራድ እዩ።

ኢንገር ስቶርበርይ ምስቲ ናይ ኦስትርያ ውሽጣዊ ጉዳያት ሚኒስተር ሀርበርት ኪኪ ኮይኑ፡ ኣብ ወጻኢ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዝርከባ ሃገራት ናይቶም እተነጽጉ መስጎጊ ቦታ ናይ ምህናጽ ራእይ ኣለዎ። እዚ ራእይዚ ነቲ ናብ ኤውሮጳ ዝቐንዐ ዋሕዚ ስደተኛታት ደው ከም ዘብሎ ድማ ይኣምን።

“ነቲ ናይ ሰብ ምዅብላል ንጥፈታት ከነፍርሶ ኢና፡ ሽዑ ድማ እቶም ስደተኛታት ካብ ቀረባ ቦታታት ናብዚ ኪግዕዙ ኪግዕዙ ኣይክእሉን፡ እቲ ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊርካ ዚግበር ሓደገኛ ጕዕዞ ድማ ደው ይብል።

ናይ ደንማርክ ቀዳማይ ሚኒስተር ላርሽ ሎከ ራስሙስን ነዚ ናይ መስጎጊ ቦታ ጉዳይ ኣብቲ ናይዚ ዓመት መጀምርያ  ወርሓት ዝገበሮ መደረ ጠቒሱዎ ነይሩ።

ዝሓለፈ ዓመት 3500 ሰባት ኣብ ደንማርክ ዕቝባ ሓቲቶም፡ እዚ ድማ ካብ 2008 ጀሚሩ እቲ ዝተሓተ ኣሃዝ እዩ።

እርማት፥ ኣብ ዝሓለፈ ሕታም ናይቲ ቨንስትረ ፖለቲካዊ ዝንባለ ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ።

ሓቅታት፥ ክዎታ ስደተኛታት

TT

ናይ ስደተኛታት ክዎታ ኪብሃል ከሎ እቶም ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ከለዉ ፍሉይ ዕቝባ የድልዮም እተባህሉ ሰባት እዮም። ንሳቶም ብናይ ሕ.መ UNHCR እዮም ናብ ካልእ ሃገር ንኺግዕዙ ዚምረጹ።

ንምውድዳር ዚኣክል፡ ሽወደን ኣብ 2018 እትወስዶም ዕቝበኛታት 5000 እዮም።

ምንጪ: Migrationsverket, TT

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com