Saturday , April 20 2024
(AP Photo/Petros Giannakouris) NYAG510

ደንማርክ ወረቐት መንነት ንዘይብሎም ዩክሬናውያን ምቕባል ትኣቢ።

ኣማኢት ስደተኛታት ዩክሬይን ፓስፖርት ስለዘይብሎም ወይውን ናብ ካልእ ሃገር ኖርዲክ ክኸዱ እዮም ብዝብል ብ ዴንማርክ ተዓጊቶም ምህላዎም ተገሊጹ። መዓልታዊ ካብ 10-20 ዝኾኑ ስደተኛታት ዩክሬይን ብኸምዚ ምኽንያት ይዕገቱ ምህላዎም ሬድዮ ደንማርክ ሓቢራ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ደንማርክ ሕቶ ዕቑባ ከቕርቡ ንዝደልዩ ገዲፍካ ባዮሜትሪካዊ ፓስፖርት ወይ ካልእ ኣህጒራዊ ተቐባልነት ዘለዎ ወረቐት መንነት ዘይብሎም ዩክሬናውያን ስደተኛትት ናብታ ኣሃገር ክኣትዉ ከም ዘይፍቀደሎምን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ከምዚ ዝበለ ፓስፖርት እንድሕሪ ዘይብሎም ኮይኑ ንዴንማርክ ከም መተሓላለፊት ተጠቒሞም ናብ ሽወደን ወይ ኖርወይ ክኣትዉ ኣይክትፈቅድን እያ።

እንተኾነ ግና ጽባሕ ሓሙስ ንዩክሬናውያን ሕድገት ዝገብርን ብዘይ ባዮሚትሪካዊ ፓስፖርት ኣብ ዶባት ኮይኖም ናይ መንበሪ ፍቓድ ክሓቱ ዘፍቅድ ብይን ክሓልፍ ከም ዝክእል ጋዜጣ ጃያንድስ ፖስተን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com