Thursday , April 25 2024

ዲሲፕሊን + ወሳንነት = ዓንዲ ብልጽግና 6ይን መወዳእታን ክፋል

ዲሲፕሊን

ዲሲፕሊን፡ ሓደ ካብቶም ንሰብ ካብ እንስሳ ዝፈልይዎ ጠባያት እዩ። ዲሲፕሊን ማለት ስርዓት’ዩ። ዲሲፕሊን ማለት ርእሰ-ቚጽጽር’ዩ። ዲሲፕሊን ማለት ልዙብ ምዃን’ዩ። ዲሲፕሊን ማለት ናይ ምልምማድ ክእለት ምጥራይ’ዩ። ንክውንነት ህይወትካ ክትቅበል ምኽኣል’ዩ። ኣድላዪ እንተዀይኑ’ውን ኣብ ዝኣመንካሉ መስዋእቲ ንምኽፋል ቅሩብ ምዃን’ዩ፡ ኣብ ግጥማት ህይወት ዋላ’ውን ብዘይ ደጋፊ በይንኻ ኴንካ ኢድካ ዘይምሃብ’ዩ።

ዲሲፕሊን፣ ነቲ እናሻዕ ኣብ ኣእምሮኻ ዝቕጀለኻ ሓሳባትን ውሽጣዊ ደፋኢ ሓይልን ከም እትቆጻጸር ገይሩ ተስፋታትካ ኣብ ምኹላዕ ይሕግዝ። ዲሲፕሊን ኣብ ዘለዎ ስሉጥነትን ኣድማዕነትን ኣሎ። ብናይ ዲሲፕሊን ሓይሊ ነብስኻን ከባቢኻን ምቁጽጻር ትመሃር። ብዲሲፕሊን ኣንፈት ጉዕዞኻ ናብ ኣንፈት ሸቶኻ ከም ዝቐንዕ ትገብሮ።

ዲሲፕሊን፣ ንነብስኻን ፈለጥትኻን ብኣወንታን ርእሰ-ምትእምማንን ከም እትቐርቦም ይገብረካ። ዲሲፕሊን እንተለካ ኣብ ህይወት እትኽተሎም ኣገባባት ቀለልትን ዘይተሓላለኹን ይዀኑ። ዲሲፕሊን እንተሃልዩ ናይ ዕላማ ጽንዓት፡ ርጉእ ኩነተ-ኣእምሮን ተጻዋርነትን ይህሉ።

ነቲ ኣብ ህይወትካ ዘጋጥመካ ፍሽለት ከም ዝዀነ ኣብ መስርሕ ህይወት ዘጋጥም ንቡር ተርእዮ ጌርካ ንኽትርድኦ ዲስፕሊን የድልየካ። ዲሲፕሊን፣ ኣብ ጽንኩርን ኣርዓዲን ኩነታት ገጥ ዘብለካ ሓይሊ’ዩ። ዲሲፕሊን፣ ዘይረአ ዓርኪ ናይ ኩሎም ዕውታት ሰባት እዩ። ትብዓትን ዘይተጻዓድነትን ካብ ዲሲፕሊን’ዩ ዝውለድ። ብዲሲፕሊን ዝተሃነጽካ ምስ እትኸውን ኣብ ተዓዋትነት ሸቶታትካ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል።  

ወሳንነት

ሸቶታት ክህልወካ ይኽእል ይኸውን። ውጥናት ክህልወካ ይኽእል ይኸውን። ብዛዕባ መጻኢኻ ዓበይቲ ሕልምታት ሓሊምካ ክትከውን ትኽእል። መደባትካ ንምትግባር ወሳንነትን ጽንዓትን እንተዘይብልካ ግን ሕልምታትካ ኰነ ውጥናትካ ክንዲ ዝዓበዩ ይዕበዩ ባዶሽ እዮም ዝዀኑ።

እቲ ንዝወጠንካዮ መደባት ህይወት ነኺስካ ክሳብ ናይ መወዳእታ መዓልቦኡ ከተብጽሖ ዘኽእለካ ወሳንነትካ እዩ። ወሳንነት ማለት ሓቦ፣ ትግሃት ማለት ኰይኑ ንዕውታት ካብ ዘይዕውታት ዝፈሊ ረቛሒ እዩ። ህይወት ብጸገማትን መሰናኽላትን ዝመልአት ስለዝዀነት ብዘይ ወሳንነት ኣብ ጉዕዞ ህይወት ብዙሕ ክትስጉም ኣይትኽእልን።

ኣብ መስርሕ ህይወት ኣብ ሸቶኻ ካብ ምብጻሕ ዝዕንቅጹኻ፡ ክትቆጻጸሮም እትኽእልን ዘይትኽእልን ረቛሒታት ኣለው። ወሳንነት እንተዘይብልካ ድማ ነዞም ረቛሒታት እዚኣቶም ክትብድሆም ኣይትኽእልን። ሓይሊ ወሳንነትካ ካብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዲሲፕሊን፣ ርእሰ-ተኣማንነትን ውሽጣዊ ሓይልን እዩ ዝምንጩ። ኣተሓሳስባኻ’ውን ኣብ ወሳንነትካ ብማዕረ ኣገዳሲ እዩ። ኣወንታዊ ኣተሓሳስባኻ ሓያል ናይ ተበግሶ ድሌት ኣብ ውሽጥኻ ፈጢሩ ንተስፋኻ ብምኹላዕ ንሓይሊ ወሳንነትካ ነቕ ዘይብል ይገብሮ።   

ተፈጸመ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com