Thursday , April 25 2024

ዲጂታላዊ ምስክርነት ክታበት፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ንኽዳሎ፡ እማመ ቀሪቡ

ሃገረ ሽወደን፡  ዲጂታላዊ ምስክርነት ክታበት፡ ካብ ዕለት 01 ሰነ 2021፡ ንኽትጅምር ብመንገዲ ሚኒስተር ዲጂታላዊ ስራሓት፡ ኣንደሽ ኢገማን (Anders Ygeman)  እማመ ከምዝቐረበ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ብዙሓት ብቱሪዝም ዝናበራን ካልኦት ኤውሮፓውያን ሃገራት፡ ናይ መጓዓዝያ እገዳታት ተወዲኡ ናብቲ ንቡር ንኽምለስ፡ ነዚ ናይ ክታበት ምስክርነት ይጽበያ ምህላወን ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ሽወደን፡ ዲጂታላዊ ምስክርነት ክታበት ንምጽፋፍ፡ ቀጻሊ ስራሕ ይካየድ ምህላዉ ዝሓበረ፡ ኢገማን፡ እቲ ምስክርነት፡ ምስ ካልእ ናይ ጥዕናዊ ምስክርነት ንኽይመሳሰል፡ “መረጋገጺ” ትብል ቃል ዝሓዘለ ክኸውን እዩ ክብል ገሊጹ።

ዲጂታላዊ ምስክርነት ክታበት፡ ነቶም ኣብ ቀጻሊ ክገሹ ዝደልዩ ሰባት፡ ከም ቅድመ ኩነት ክኽውን እዩ ክብል፡ ኢገማን፡ ብምውሳኽ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com