Wednesday , April 24 2024

ዳግም ውርጪ ዝበዝሖ ቑሪ ኣብ ሽወደን ኣይክኽሰትን እዩ!!

ኣብ መወዳእታ ናይዛ ሚእቲ ዓመት ኣዝዩ ቈራሪና ውርጪን ዝበዝሖ ኲነታት ኣብ ሽወደን ዘይክህሉ ምዃኑ ተገሊጹ። ትንበያ ኲነታት ኣየር ሽወደን ከም ዘመልከቶ ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ኣብ ሽወደን ዝነበረ ልዑል መጠን ሙቐት ንዝመጽእ መወዳእታ ሚእቲ ዓመት ማእከላይ መጠን ሙቐት ክኸውን እዩ ኢሎም ኣለዉ።

ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻቡ ኣብ መላእ ሽወደን ማእከላይ ገምጋም ሙቐት ርኡይ ወሰኽ ምምዝጋቡ ኣስሚሩሉ’ሎ።

ብመሰረት እዚ ጸብጻብ ኣብ መጻኢ ልዑል ሙቐትን ብርቱዕ ዝናብን ንውርጪን ቊሪን ክትክኡ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com