Tuesday , April 16 2024
Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ዴንማርክ፥ ሰዓል ዝሓመመ ኣውቲስታ ኣውቶቡስ ምስ ሓደ ህንጻ ተጋጭዩ።

ኣብ ኖርዝ ዚላንድ ዝቕመጥ ሓደ ኣውቲስታ ኣውቶቡስ ብሰንኪ ሕማም ሰዓል ከሀንጥስን ክስዕልን ኣብ መኪናኡ ቊጽጽር ብምጒዳሉ ምስ ሓደ ቪላ ከም እተጋጨወ ተገሊጹ። በቲ ሓደጋ ዝተጎድአ ሰብ የለን ተባሂሉ’ሎ።

እቲ ኣውቲስታ ቅድሚ ናብቲ ቪላ ምግጫዉ ናይ ትራፊክ ዓንዲ ምዕናዉ ንመሰካኽር ዓይኒ ብምጥቃስ ኣብ ኖርዝ ዚላንድ በዓልመዚ ፖሊስ ሀንሪክ ተሊን ኣመልኪቱ።  እቲ ኣውቲስታ ካብ ቀረባ ግዜያት ኣትሒዙ ኒሞንያ ሕሚሙ ብብርቱዕ ክስዕል ምጅማሩ እቲ በዓልመዚ ፖሊስ ወሲኹ ገሊጹ። ኣብታ ኣውቶቡስ ሸውዓተ/ሸሞንተ ተሳፈርቲ እኳ እንተነበሩ ማንም ሰብ ከም ዘይተጐድአ ጸብጻብ ኖርወይ ቱደይ ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com