Thursday , April 25 2024
Johan Nilsson/TT

ዴንማርክ ትሽዓተ ኣርቲፊሻል ደሴታት ክትሃንጽ ትደሊ’ላ ተባሂሉ።

መንግስቲ ዴንማርክ ካብ ከተማ ኮፐንሃገን ብሸነኽ ደቡብ 12 ሽሕ ቢዝነሳት ክሕዛ ዝኽእላ ትሽዓተ ኣርቲፊሻል ደሴታት ክሃንጽ ድሌት ከም ዘለዎ ተገሊጹ።

ብመሰረት ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጒዳያት ዕዮ እዚ ውጥን ምስ ምምሕዳር ከተማታት ብምትሕብባር ብደገፍ መንግስቲ ዴንማርክ ኣብ 2040 ክዛዘም እዩ ተባሂሉ ተስፋ ተነቢርሉ’ሎ።

እንተኾነ ግና ፈሰስ ፋይናንስ ናይዚ ከምዚ ዝበለ ገዚፍ ፕሮጀክት ካበይ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን።

ዴንማርክ ከምቲ ሽወደን ዝገበረቶ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ጸዓትን ትሕተ-ቅርጻዊ ፕሮጀክቲታትን ብምትኳር ኣህጒራዊ ኲባንያታት ንምስሓብ እያ ኣንቂዳ ትሰርሕ ዘላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com