Thursday , April 25 2024

ድሕሪ በዓላት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ኣለወን ክብሉ 30 ተመራመርቲ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት ብዝብል ምጉት፡ ድሕሪ ክሪስማስን ሓድሽ ዓመትን፡ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ሳምንታት ተዓጽየን ክጸንሓ 30 ተመራመርቲ ሽወደን ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ንሳቶም፡ ኣብ ጋዜጣ ዳገንስ ንሂተር ኣብ ዘውጽእዎ ጽሑፍ፡ እቲ ህጻናት ሳሕቲ ጥራይ እዮም ካልኦት ዝልብዱ ዝብል መደምደምታ ብሓድሽ መጽናዕቲ ከም ምልክት ሕቶ ኮይኑ ኣሎ።

ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ዝለኣኹሉ ዘለዉ ምኽንያት ብቐንዱ፡ ህጻናት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝህልውሉ እዋን ብዘይ ዝኾነ ጥዕናዊ ጸገማት ትምህርቶም ስለዘሰላስሉ እዩ ዝበለ እቲ ጽሑፍ፡ በዓልመዚ ጥዕና ብወገኑ፡ ህጻናት ሳሕቲ እዮም ነዚ ሕማም ዘመሓላልፉ ዝብል ገምጋም ዘለዎ ምዃኑ እውን ኣመልኪቱ። ዋላኳ እዚ ጉዳይ ንተመራመርቲ ኣብ ክርክር ዘእተወ እንተኾነ፡ ኣብ መባእታ ደረጃ ዝርከቡ ህጻናት ስሉጣት መተሓላለፍቲ እዚ ሕማም ምዃኖም ዘመላኽቱ ሓበሬታታ ኣለዉ ክብሉ እዞም 30 ተመራመርቲ ርእይተኦም ይገልጹ።

ኣብ መበል 47ን 50ን ሰሙን ብበዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ብተመራመርቲ ዝወጸ ጸብጻብ ተመሳሳሊ ምንባሩ ይዝከር። ኣብቲ ጸብጻብ፡ ቀንዲ መቦቀል ለበዳ ናይቲ ሕማም፡ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ምንባረን ገሊጹ ነይሩ።ብመሰረት ጸብጻባት ናይቶም ተመራመረቲ፡ ኣብቲ እዋን፡ ጠንቂ ናይ 45% ምስፍሕፋሕ ኮሮና እተን ቤት ትምህርታት ምንባረን ኣሃዛት ሓቢሮም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ብበዓልመዚ ጥዕና እተዋህበ መልሲ  ኣሃዱ ምክትታል ለበዳ ከም ዘመልክቶ፡ ሰራሕተኛታት ኣብያተ ትምህርቲ ብተመሃሮ ዘይኮነስ ብመሳርሕቶም እዮም ዝልበዱ ዘለዉ” ዝብል እዩ ኔሩ ኢሉ። እንተኾነ ግና እዚ መሰረት ዘይብሉ ምጉት ምንባሩ እዞም ተመራመርቲ ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com