Friday , March 29 2024
SSU march. Credit: MAJA SUSLIN / TT

ድሕሪ ዝፈጸሞ ነውራም ተግባር ሓደ ሰብ SSU ካብ ስልጣኑ ብፍቓዱ ወሪዱ

አቲ ኣብ ደቡባዊ ሸወደን ስኬን ኣብ ዴሳዊ ዴሞክራሲያዊ ሰልፊ ክንፊ መንአስያት ዝተኸስተ ኣዘራራቢ ጉዳይ አናጎሃረ ምምጻኡ ቀጺሉ ኣሎ።
ክቫልስፖስተን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብዙሓት ኣባላት እቲ ውድብ ጸረ ኣይሁዳዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጎነጻዊ ስእሊታት ይልጥፉን   ንሓድሕዶም ክለዋውጡን ምዃኖም  ይፍለጥ።
ኣብ ስቶክሆልም ዝመደበሩ መሪሕነት SSU ነቲ ማልሞ ዝትርባህለ ጨንፈር ነቲ ዝተፈጥረ ግእዘይ ክገድፍ ወይ ዝቐርበሉ ምወላ ክቋረጽ ምዃኑ መጠንቀቕታ     ኣቕሪቡሉ፡ሎ።
ዝሓለፈ ዓመት SSU ማልሞ ኢማም ዓዲሙ ንይሩ። አንተኾነ ክኢላ ዓውዲ ግብረ ሽበራ
ን ዝኾነ ማግኑስ ራንስተሮፕ ነዚ ኢማም ” ምርኡይ ሰባኺ ሳላፊያዊ ምህሮ” ብምባል ይገልጾ።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ቦርድ SSU ማልሞ፥ ናይቲ ኢማም ጻውዒት ከምኡውን ካልዕ ሕጹይ ኣባል እቲ ውድብ ኣብ ፌይስቡክ ዝለጠፎ ጸረ ኣይሁዳዊ ሓብሬታ ናብ ዘተ ቀሪቦም ኔሮም። በዚ ድማ እቲ ንጽልኢ ዝዕድም ሓበሬታ ዝለጠፈ ሰብ ካብ ስራሕ ብፍቓዱ ካብ መዝነቱ ክወርድ ተቐሲቡ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com