Thursday , April 25 2024

“ድራጎን ማን” ዝተሰምየ ሓድሽ ዓሌት ሰብ ተረኺቡ

ቻይናውያን ተመራመርቲ: ሓድሽ ዓሌት ሰብ እዩ ናይ ዝበልዎ ሽክና ርእሲ ምርካቦም ገሊጾም። ብመሰረት እዞም ተመራመርቲ እዚ ዓሌት ሰብ ኣብ ስነ ፍልቀት ወዲሰብ ካብ ሆሞ ኤረክተስን ኒያንደርታልን ብዝዛይድ ንህሉው ዓሌት ወዲሰብ እቲ ዝቐረበ እዩ።

እዚ ድራጎን ማን ዝተሰምየ ዓሌት ቅድሚ 146 ሽሕ ዓመታት ኣብ ምብራቕ ኤስያ ይነብር ምንባሩ ተገሊጹ’ሎ። እዚ ሽክና ኣብ 1933 ኣብ ሰሜን ምብራቕ ቻይና ኣውራጃ ሃርቢን እዩ ተረኽቡ፥ እንተኾነ ግና ሕጂ እዩ ኣቓልቦ ተመራመርቲ ዝስሕብ ዘሎ ይብል እቲ ጸብጻብ።

ሓደ ካብቶም ስሙያት ክኢላታት ስነሰብ ዝኾነ እንግሊዛዊ: ፕሮፌሰር ክሪስ ስትሪንገር: ኣባል እዛ ጒጅለ ተመራመርቲ ምዃኑ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።

ዝርዝር መርመራ እዚ ተረኽቦ ኣብ The Innovation ዝተባህለ ሳየንሳዊ መጽሔት ቀሪቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com