Wednesday , April 24 2024
Eric Bolte/TT

ድሮግባ: ኣርሓ ሜዳ ስታንፎርድ ብሪጅ ካብ ጸወታ ተፋንዩ

ናይ ሃገሩን ቸልሲን ኩርዓት ዝኾነ ኣይቮርያዊ ንጉስ ኩዑሶ ኣግሪ ድየር ድሮግባ ጸወታ ደው ከብል ከምዝወሰነ ን ቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብዚ ግዜ ደው ከብል ዝወሰንኩ ዝተረፈ ግዜይ ኣብ ምስልጣን መንእሰያት ተጻወቲ ከሕልፎ ብምባል እዩ ክብል ወዲ 40 ዓመት መሊኡ ዘሎ ድሮግባ ይገልጽ። እዚ ናይ ኩዕሶ ግዚኡ  ድሕሪ ምስ ፈረንሳዊ ክለብ ሌመንት ብምጅማር  ኣብ 18 ኣዋርሕ ብ 24 ሚልዮን ናብ ኢንግሊዛወት ክለብ ቸልሲ ዝተሰጋገረ።

ምስ ክለብ ቸልሲ ኣብ ዝጸንሓለን ዓመታታት ብድምር ካብ 381 ጸወታታት 164 ሸቶታት ከምዝግብ ከሎ ብውልቑ ድማ ሰልሰተ ዓመታት ዕውት ኣመዝጋቢ ሸቶ ብሙኻን ሰለስተ ግዜ ወርቂ ጫማ ክሽለም ዝኽኣለ እንኮ ኣፍሪቃዊ እዩ። ብተወሳኪ ን ሃገራዊት ጋንትኡ ኣብ 105 ጸወታታት ብድምር 65 ጎላት ዘቑጸረ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com