Wednesday , April 24 2024
Foto: Irene Kårlin

ድሮ ሚድሶማር

ድሮ ሚድሶማር ህዝባዊ በዓል እዩ። እቲ በዓል፡ ኣብ መንጎ ዕለታት 19-25 ሰነ ዘላ ዓርቢ እዩ ዝኽበር። እዚ በዓል እዚ፡ ሃገረ ሽወደን፡ ገና ክርስትያን ከይኮነት እንከላ እዩ ተጀሚሩ። ኣብ ድሮ በዓል፡ ሰባት፡ ኣብ ክቢ ናይ ሓደ ፓሎ ይስዕስዑ። እቲ ፓሎ፡ ብኣቝጽልትን ዕንበባታትን ዘጌጸ እዩ። ህጻናትን በጽሕታትን ድማ፡ ኣብ ርእሶም እሳር ዕንበባታት ይገብሩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ሰባት፡ ሲል ከምኡ’ውን ላክስ ዝባሃሉ ዓይነታት ዓሳ፡ ድንሽን ስትሮቤርን ይበልዑ።

ምንጪ፥ information om sverige


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com