Thursday , April 18 2024

ዶባት ኖርወይ ንኹሎም ካብ ሽወደን ዝኣትዉ በጻሕቲ ክፉት ኣይኮነን ዘሎ

ሃገረ ዴኒማርክ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ፡ ዶባታ፡ ንካብ ኩለን ምምሕዳራት ሽወደን ዝመጹ በጻሕቲ ክፉት ምዃኑ ከምዝኣወጀት ይፍለጥ። ኖርወይ ግን ነዚ ዴኒማርክ ዝወሰደቶ ውሳኔ ከምዘይትኽተልን፡ ናይ ገዛእ ርእሳ መምዘኒታት ተጠቂማ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ውሳኔኣ ከተመሓላልፍ ምዃና ሰብ መዚ ኖርወይ ሓቢሮም ክብል TT ኣቃሊሑ።

ኣብተን  ብምብራቕ ምስ ኖርወይ ዝዳወባ ሃገራት ዝርአ ዘሎ ምንቁልቋል ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮና ንኖርወይ ናይቶም ብኮሮና ዝልከፉ ሰባት እንወሓደ ምምጽኡ ሑጉሳት ኢና

ኣብ ከም በዓል ሽወደን ዝኣመሰላ ጎረባብቲ ሃገራት ዝረአ ዘሎ ምንቁልቋል ብዝሒ መልከርቲ ኮሮና፡ ንኖርወይ ዘሐጉስ ምዃኑን ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ድማ ንመላእ ካብ ሽወደን ዝመጹ በጻሕቲ ዶባትና ክፉት ክኸውን ክብል ሚኒስተር ጥዕና ኖርወይ፡ ቤንት ሃዊ፡ ምንዮቱ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com