Saturday , April 20 2024

ጀርመን ስደተኛ ክትቕበል ሙኻና ትገልጽ!!

ከተማታት ጀርመን ኣብ ባሕሪ ንዝተዓግቱ ስደተኛታት ክቕበላ ከም፡ዝደልያ ገሊጸን። ብርክት ዝበላ ከተማታት ጀርመን ነቶም ኣብ ባሕሪ ጥቓ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፔዱሳ ካብ ዝዕገቱ ክልተ ቕነ ዝገበሩ ስደተኛታት ክቕበላ እየን ተባሂሉ። ኮለን ዱሰልዶርፍን ሙንስተርን ገለ ካብዘን ከተማታት እየን።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልፋኒ ብረቡዕ ነቶም ስደተኛታት ምቕባል ምእባዩን ሓለዋ ከዋፍር እየ ክሳብ ምባል ምብጽሑን ተፈሊጡ። እንተኾነ ግና እዘን ብርክት ዝበለ ከተማታት ጀርመን ኣብ ምቕርሐኦም ምስ ኢጣልያ እንተተሰማሚዐን ስደተኛታት ክንወስድ ኢና ምባለን ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com