Friday , April 19 2024
MAURICIO LIMA / NY TIMES / TT

ጀርመን ብሓተትቲ ዕቚባ ቀንዲ ተመራጺት ኣባል ኣውሮጳዊ ሕብረት ምዃና ተገሊጹ!!

ዓመታዊ ጸብጻብ በዓልመዚ ኣውሮጳ ከም ዘመልክቶ ኣብ ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ገለ ለውጢታት ምህላዉን ጀርመን ብሓተትቲ ዕቚባ ቀንዲ ተመራጺት ኣባል ኣውሮጳዊ ሕብረት ምዃና ተገሊጹ’ሎ። ኣብ 2015 ዝነበረ ኣዝዩ ናህሪ ዘለዎ ሕቶ ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ 2018 ዛሕሊ ምርኣዩን ጀርመን ብሓተትቲ ዕቚባ ቀዳመይቲ ተመራጺት ሃገር ምዃናን እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 184 ሽሕ ሰባት ናይ ዕቚባ ሕቶ ኣእትዮም ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር ናይ 17 ሚእታዊት ምጒዳል ምርኣዩ ተመልኪቱ’ሎ። እዚ ሃገራት ስዊትዘርላንድ ኖርዌይ ኣይስላንድን ሌቸስቴንን ዘጠቓልል ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ናይ 2018 ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ብጠቕላላ ከባቢ 665 ሽሕ ኮይኑ ምስ ናይ 2017 እንክወዳደር ብ 10 ሚእታዊት ምጒዳል ምርኣዩ ተገሊጹ።

ኣብ 2015 ናብ መላእ ኣውሮጳ 1.4 ሚልዮን ስደተኛታት ምእታዎም ይዝከር። ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ምቕርሐ ሓተትቲ ዕቚባ ዛጊት ኣብ ምስምማዕ ኣይበጽሓን ኣለዋ። ንኣብነት ሃንጋሪን ፖላንድን ስደተኛታት ምቕባል ካብ ዝኣብያ ሃገራት ይጥቀሳ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com