Friday , March 29 2024

ጀርመን ኢላን ኩርዲ ኢላ መርከባ ትስይማ።

ሰብመዚ ጀርመን ኣብ ክሊ ማእከላይ ባሕሪ ኢላን ኩርዲ ዝብል ስም ሶርያዊ ህጻን ኣብ መድሕን መርከቦም ይዝርግሑ።

እዛ መርከብ ንኽብሪ ናይቲ ኣብ ገማግም ቱርኪ ተገፊዑ እተረኽበ ኣስከሬን ህጻን ኤላን ንምዝካር ዝተበገሰት እያ።

ህጻን ኤላን ትእምርቲ ቅልውላው ስደተኛታት ኣውሮጳ ድሕሪ 2015 ኮይኑ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣቦ ህጻን ኤላን ዓብደላ ኩርዲ ከሙኡውን ሓብቱ ቴማ ኩርሲ ኣብ ፓልማ ደል ማሎርካ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ዳግመ ምስያም እዛ መርከብ ተሳቲፎም እዮም።

እቐዲሙ ስም እዛ መርከብ ፕሮፌስር ኣልበርት ፒንክ እዩ ኔሩ።

“መርከብ ጀርመን ብሰም ወድና ክትጽዋዕ ምውሳኑ ይሐጒሰና” ክብል ዓብደላ ኩርዲ ንሓንቲ ናይ ጀርመን ውድብ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።

“ወደይ ኣይክርሳዕን እዩ” ድማ ኢሉ። “ብሞት ወድና ኣሽሓት ደቆም ብኸምዚ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ዝሰኣኑ ስድራቤት እውን ተኻፊሎሞ እዮም” ከኣ ኢሉ።

ወዲ ሰለስተ ዓመት ኢላን ምስ ሓዉ ቓልብን ኣዲኡ ሪሓናን ኮይኖም ብጃልባ ፕላስቲክ እናሰገሩ እዮም ኣብ ባሕሪ ኢጅያን ጥሒሎም።

ኣስከሬን ናይዚ ኩርዳዊ ህጻን ጸኒሑ ኣብ ገማግም ቱርክ ብማዕበል ተገፊዑ ተረኺቡ። ዘሕዝን ፍጻመ ህይወት እዛ ስድራቤት ኣብ ግዚኡ ብዛዕባ ምቕባል ስደተኛታት ኣብ ኣውሮጳ ዓቢ ክትዕ ንኽፍጠር ምኽንያት ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com