Friday , March 29 2024

ጀርመን ካብ ባሕሪ ዝደሓኑ 300 ስደተኛታት ክትቅበል ምዃና ገሊጻ።

ጀርመን ካብ ባሕሪ ዝደሓኑ ሰለስተ ሚእቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ክትቅበል ድልውቲ ምዃና እንተኾነ ግና ሃገራት ኣውሮጳ ምቕባል ኣብየናኦም ኣብ ባሕሪ ዝተዓግቱ ሓሙሽተ ቈልዑ ዝርከብዎም ደርዘናት ስደተኛታት ዛጊት ምህላዎም ገሊጻ።

እቲ ኣብ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት ዝፍጽም C-ዋች ዝተባህል ሰባኣዊ ውድብ ኣብ ታሕሳስ 22 ን 32 ሰባት ምድሓኑን ኣብ ታሕሳስ 29 ክኣ ካልኦት 17 ሰባት ምድሓኑን ገሊጹ’ሎ።

እዘን መራኽብ ብጠቕላላ 49 ሰባት ስጸዓና ኮይነን እቶም ስደተኛታት ብዙሕ ገልታዕታዕ ምባሎም እዩ ተሓቢሩ።

እቶም ቆልዑ ብሕማም ከም እተጠቕዑን ብምግላጽ ካላኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ክወስዳ ምዃነን እንተተሓቢረን ጀርመን 50 ዝኾኑ ክትወስድ ድልውቲ ምዃና ገሊጻ’ላ።

ኔዘርላንድስ ዛጊት ገለ ክትወስድ ፈቓደኛ ምዃና ገሊጻ’ላ። መሪሕነት ጣልያን ዛጊት ኣብዚ ጒዳይ ተፈላልዮም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com