Friday , March 29 2024
[Moritz MŸller, via www.imago-images.de]/TT

ጀርገን ክሎቭ ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ 4ይ ሽሙ ብ ወርቂ ዝጸሓፈ ኣሰልጣኒ!!

ኣሰልጣኒ ክለብ ሊቨርፑል ጀርመናዊ ክሎቭ ድሕሪ ናይ ትሽዓተ ግዜ ኣብ ፍጻሜ ስዕረት እንሆ በታ ዓባይን ረዚን ክብሪ ዘለዋ ድሕሪ ናይ ብዙሕ ዓመታት ኮለን ዋንጫ ቻምፕዮን ሊግ ተደቢሱ። ጀርገን ግሎቭ ኣብ ቃለ መሕተቱ ከምዚበሎ ዓመት መጸት ተሻላሚ ቡሩር መዳልያ ጥራይ ብሙኻን ክረምቲ መጸት ኣብ ዝገብሮ ዕረፍተይ ምስ ስድራቤትይ ርእሰይ ኣድኒነ ብሓሳብ ተዋሒጠ ይኸይድ ነይረ እንተ ሕጂ ግን ብ ንብዓት ሓጎስ ተዋሒጠ ሓጎሰይ ካብ ሕጂ ጀሚረዮ ኣለኹ ክብል እዩ ንዝነበሮ ምረት ዝገለጸ። እንሆ ድማ ሎሚ ጾመ ሊጋም ዋንጫ ተፈትሒሉ።

ኣብዚ ዓመት ድልድልቲ ሊቨርፑል ብምህናጽ ብ 97 ነጥቢ ክብረወሰን ብዝኾነ ኣብ ፕሪመር ሊግ ድሕሪ ማንቸስተር ሲቲ ምዝዛሙ ነቲ ድራማቲካዊ ውጺኢት ክምዝገቦ ዝጸንሔ ቻምፒዮን ሊግ ድሕሪ 14 ዓመት ዓወት ሊቨርፑል ኣብ ኢስታንቡል ቱርኪ እንሆ ዳግማይ ብሞዕዋት ብ ናይ ሻዱሻይ ድምር ዓወት  ድሕሪ ሪያል ማድሪድን ኤሲ ሚላን ኣብ ሳልሳይ ደርጃ ሰሪዕዋ። ነቶም ምስኡ ክሳቐዩ ዝጸንሒ ደግፍቲ ድማ እንኻዕ ሓጎሰኩም ብምባል ሸሙ ምስቶም ኣቀዲሞም ምስ እዛ ጋንታ ክብርታት ቻምፒዮን ብምዕዋት ኣቐዲሞም ሽሞም ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ዝወረቑ ኣሰልጠንቲ ቦብ ቤስሊ፣ ጆ ፋጋንን ራፋኤል በኒተዝ ራብዓይ ኣስልጣኒ ብምኻኑ ክሎፍ ሸሙ ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ክውቀር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com