Friday , March 29 2024
WIXTRÖM JIMMY/Aftonbladet/TT

ጂሚ ኣከሰን፡ ስደተኛታት ምቕባል ክንቅንስ ከድልየና እዩ።

ኣብ ሽወደን ህዝባዊ ውሕስነት ምርግጋጽ ኣዝዩ ወሳኒ ጒዳይ ምዃኑ፡ እታ ሃገር እትቕበሎም ቊጽሪ ስደተኛታት ከኣ ከተጒድል ይግባኣ ዝብል ጽኑዕ መትከል ሰልፉ ምዃኑ፡ ሓላፊ ስልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ጂሚ ኣኬሰን ኣተሓሳሲቡ። ሬድዮ ሽወደን፡ ንኽካየድ ሓደ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ምኽንያት ብምግባር፡ ምስ ሸሞንቲአን ሰልፊታት ባይቶ ኣብ እትገብሮ ዘላ ቃለ-መሕትት እዩ ኤክሰን ከምዚ ዝበለ።

“ምጒዳል ስደተኛታት ከድልየና እዩ” ድሕሪ ምባል ሰልፉ ነቶም ኣብ ሽወደን ብመልዕሎ ዝናበሩ ስደተኛታት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ዝጣየሱሉ ፖሊሲ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com