Friday , April 19 2024
South Africa President Jacob Zuma, appears on a screen virtually from the correctional service facility Estcourt, in Pietermaritzburg, South Africa (South Africa Judiciary via AP) XDF102

ጃኮብ ዙማ፡ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይ ሓዉ፡ ክውዕል ተፈቒዱሉ

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር፡ ጃኮብ ዙማ፡ ሎሚ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝፍጸም ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይ ምንኣስ ሓዉ ክሳተፍ ፍቓድ ከም እተዋህቦ ተገሊጹ።

ከም ናይ ሓጺር እዋንን ሓደጋ ዘየስዕብን እሱር መጠን፡ ኣብ ቀብሪ ሓዉ ክሳተፍ፡ ብድንጋጸ ፍቓድ ተዋሂብዎ ኣሎ ክብል፡ ኣፈኛ ክፍሊ ተሃድሶ፡ ሲንጋባኮ ንጹማሎ፡ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣመልኪቱ። ኣብዚ ፍቓድ፡ ዙማ፡ ኣብ ክንዲ ናይ እሱር ዩኒፎርም፡ ዝደለዮ ዓይነት ክዳን ክወዲ ከም ዝኽእል ገሊጹ’ሎ።

ዙማ፡ ንክብሪ ቤት ፍርዲ ተዳፊርካ ብዝብል ክሲ፡ ን 15 ኣዋርሕ ክእሰር ከም እተፈርደ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com