Friday , April 19 2024

ጃፓናዊት ደሴት ተሰዊራ

ኣብ ጃፓን፡ ሓንቲ ደሴት ብምስዋራ መንግስቲ’ታ ሃገር ናይ ምድላያን ምድሓናን ተልእኾ ኣዊጁ ምህላዉ ተገሊጹ። እዛ Esanbehanakitakojima ዝተባህለት ሰብ ዘይነብረላ ደሴት፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ጃፓን 500 ሜትሮ ርሒቓ ዝነበረት ኮይና፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ትርኢት ከምእተሰወረት’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘመልክት።

ሃለዋት ናይዛ ደሴት ክሳብ ዝረጋገጽ ኣብቲ ከባቢ ዝግበር ምንቅስቓስ ናይ ጀላቡ ውሑስ ከምዘይከውን ሓለዋ ገማግም ጃፓን ኣፍሊጡ ኣሎ። ብመሰረት ገምጋም ሓለፍቲ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጃፓን፡ እታ ደሴት ብንፋስን በረድን ክትብሕጎግ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእትኡ ብማይ ተዋሒጣ ክትከውን ከምእትኽል ይግለጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com