Friday , April 19 2024
Joe Biden is sworn in as the 46th president of the United States by Chief Justice John Roberts as Jill Biden holds the Bible during the 59th Presidential Inauguration at the U.S. Capitol in Washington, Wednesday, Jan. 20, 2021.(Saul Loeb/Pool Photo via AP) DCDD335

ጆ ባይደን፡ ቃለ ማሓላ ፈጺሙ

ሓድሽ ዝተመርጸ መራሕ መንግስቲ ኣሜሪካ ጆ ባይደን ቃለ ማሕላ ብምፍጻም ሓድሽ መዝነት መራሕ መንግስትነት ከምዝርከብ ካብ ዋሽንግቶን ዝወጸ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ተሰናባቲ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምርኽኻብ ስልጣን ይኹን ናይ ማሕላ ስነ ስርዓት ከይተረኽበ፡ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ቤተመንግስቲ ኣሜሪካ ሓዲጉ ከምዝወጸ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዘስምዖ ናይ ስንብታ መደረ፣ ዝገበሮ ኩሉ ዓወታት ብምዝርዛር፣ ኣብ መጻእኢ ኣብ ኣሜሪካ ሰልፊ ሓርበኛታት ዝተባህለ ሓድሽ ሰልፊ ክምስርት መዲቡ ከምዘሎ ኣተንቢሁ። ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ተሰናባቲ ፕረሲደንት ዶናልድ፣ ኣብ ምምራቕን ስርዓተ ማሕላን ሓድሽ ፕረሲደንት ዘይምርካቡ ድሕሪ ዓመተ 1869 ናይ መጀመሪያ ምዃኑ ይንገር።

እቲ ተመሪጹ ዘሎ ሓድሽ ፕረሲደት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብሕጊ ዝተመረቕ ጠበቓ ኮይኑ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ልዑል ተመክሮ ዘሎዎ መስተዉኦሊ ሰብ ምዃኑ ይዝረበሉ።    


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com