Friday , April 19 2024
Credit: AP Photo/Vahid Salemi/Alexander Maxia/TT

ገለ መንግስታት፥ ዴሞክራስያዊ መሰል ዜጋታት ንምዕፋን ኣገልግሎት ኢንተርነት ይዓጽዉ።

ኣብ ዓለምና እናሳዕረረ ምስ ዝመጽእ ዘሎ ምንቊልቋል ስርዓተ ዴሞክራሲ፥ መንግስታት ኣገልግሎት ኢንተርነት ክዓጽዉ ምርኣይ
ኣዝዩ ንቡር ሽግር እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ተገሊጹ። መንግስታት ክመጾም ዝኽእል ተቓውሞ ንምውጋድ ንህዝቢ ዝወሃብ
ኣገልግሎት ኢንተርነት ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ይዓጽዉ’ለዉ።
“ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ እንገብረሉ እዋን፥ ህዝቢ ንሓድሕዱ ከይራኸብን እቲ ሰልፊ ብቪድዮ ተቐዲሑ ናብ ኢንተርነት ከይባዛሕን
ብምባል፥ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ከም ዝዕጾ ይግበር” ክትብል ኢራናዊት ኣክቲቪስት፥ ከምኡ’ውን ደራፊት ቅዲ ሙዚቃ ራፕ
ጁስቲና ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ኣብቶም ምስ ኢንተርኔት ብዙሕ ዘይተራኸቡ ከባቢታት ዓለም፥ ተበጻሕነት ኢንተርነት ክህሉ ከም
ዝግባእ፥ ኢንተርነት ግሎባላዊ ጸጋ እናሃለወ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ መናድቕ ምህናጽ ግቡእ ኣይኮነን፥ ክብል ምክትል ዋና ጸሓፊ
ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN) ኣማንዲፕ ሲን ዲል ኣተሓሳሲቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com