Friday , March 29 2024
Lower body at legs part of Fitness girl running on running machine or treadmill in fitness gym with sun ray. Warm tone. Healthy and Exercise activity concept. Workout and Strength training theme.

“ገለ ተሓከምቲ ኮቪድ ከም ድላዮም ምንቅስቓስ ኣካላት ክገብሩ ይጽገሙ ኣለዉ”–ሓደ መጽናዕቲ።

ገለ ሰባት ካብ ሳዕቤናት ረኽሲ SARS-CoV-2 ዝድሕኑ እኳ እንተኾኑ፡ ካልኦት ግና ንንውሕ ዝበለ ግዜ ምስ ድሕረ-ሕክምናዊ
ሳዕቤናት COVID-19 ከም ዝጸንሑ ተገሊጹ። ሓደ ካብዚ ሳዕቤናት ከኣ ብእትደልዮ መጠን ምንቅስቓስ ኣካላት ክትገብር
ዘይምኽኣል እዩ። ገለ ሰባት ካብ ሳዕቤናት ኮቪድ ጨሪሶም ዝሓውዩ፡ ኣብ ገሊኦም ግና እቲ ምልክታት ዝቕጽል ስለምንታይ ምዃኑ
ዛጊት ዘይተመለሰ ሕቶ እዩ።
ኣብ መጽሔት “Journal of Infectious Diseases” ዝወጸን ተመራመርቲ ሳን ፍራንሲስኮ ዝበጽሕዎን ሓበሬታ ከም
ዘመልክቶ፥ ናይ ነዊሕ እዋን ምልክታት ኮቪድ ዝጸናወቶም ሰባት ናይ ምንቅስቓስ ክእለቶም ካብቲ ትጽቢት እተገብረሉ ዝተሓተ
ኮይኑ ተረኺቡ’ሎ። ሓደ ካብ ቀንዲ ምኽንያታት እዚ ክስተት፥ ኣብ እዋን ምንቅስቓስ ኣገዳሲ ዝኾነ ናህሪ ህርመት ልቢ
ዘይምህላዉ እዩ። እዚ ክስተት ምስ ቫይረስ Epstein-Barr ዝተሓሓዝ እዩ–ክብሉ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብዚ መጽናዕቲ ሱሳ ዝኾኑ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ 53 ዕድመ ዝርከቡ ተሓከምቲ ን ዓመትን መንፈቕን ዝኸውን ክትትል
ክግበረሎም ጸኒሑ’ሎ። ካብዚኣቶም እቶም 49% ዝኾኑ ምልክታት ኮቪድ ዘይተጋደፎም ተሓከምቲ፥ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ናይ
ምግባር ዓቕሞም ምድኻሙ እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com