Wednesday , April 24 2024

ገለ ነገራት ብዛዕባ ሎሚ ሰኑይ ክጅመር እዩ ብዛዕባ ዝበሃል ዘሎ እገዳ ምትካኽ!!

ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምትካኽ ካብ ጽባሕ ባሕቲ ሓምለ ጀሚሩ እጉድ ክኸውን እዩ። እንተኾነ ሬድዮ ሽወደን Ekot ከም ዘመልከተቶ እዚ ሕጊ ኣብ ተግባር ኣብ ምውዓል ክረኣዩ ዝግብኦም ገለ ጒዳያት ኣለው። እዚ ሕጊ እገዳ ምትካኽ ኣበይ ምዃኑ ብልክዕን ብዝርዝርን ኣየቐመጠን።

ኣብያተ መግቢ ኣብ ቀጽረን ምትካኽ ዝኽልክላ ባዕላተን ድየን፡ ድሕሪ ምዕጻወንከ ምትካኽ ክፍቀድ ድዩ ኣብ ዝብል ዝተባህለ ነገር የለን። ብዘይካዚ ይብል ሬድዮ ቪበር ኣትካኻይ ካብ እጉድ ቦታ ክንደይ ዝኣክል ክርሕቕ ኣለዎ ኣብ ዝብል ንጹር ስምምዕ የለን። እዚ ሕጊ ብዙሕ ነዃላትን ዋሕዲ መጽናዕትን ኣለዎ ክብሉ ወነንቲ ኣብያተ መግቢ ብብርቱዕ ክነቕፍዎ ጸኒሖም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com